MAP

'ቀራጺ ሓወልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት' ንነፍስሄር ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዝክር 'ቀራጺ ሓወልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት' ንነፍስሄር ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዝክር  (ANSA)

'ቀራጺ ሓወልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት' ንነፍስሄር ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዝክር

መብዛሕትኡ ግዜ ‘ናይ ር.ሊ.ጳ. ሰራሕ ሓወልቲ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካናዳዊ ስነ ጥበበይና ሓወልትን ቅብእን ቲሞቲይ ሽማልዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕትት ንነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ጎይታ ዘይተኣደነን ዘይቋርጽን ፍቕሪ ነቶም ኣዝዮም ዝተገለሉን ዝተደርበዩን ናይ ምትሕልላፍ ፍሉይ ክእለቶም ዘኪሩ፣ ከምኡ’ውን ስለምታይ እዩ ነቲ ‘ዓሚቝ ስክፍታታት ቅዱስ ኣቦ ቅርጺ ንምሃብ ዝደለየ የብርህ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

‘ንናይ ቅዱስ ኣቦና ዓሚቝ ስክፍታታት ቅርጺ - ወጅሂ ንምሃብ ዓቢይ ምኽንያት ዝኾነኒ እቲ ቅዱስነቶም ዝነበሮም ጭቡጥ ስኽፍታታት እዩ’ እንክብል ቲሞትይ ሽማልዝ ካናዳዊ ናይ ስነ ሓወልትን ቅብእን ስነ ጥበበይና ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ይዝክር።

እዚ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስርሓት ሓወልትን ቅብእን ዝተዋፈረ ስነ ጥበበይና ሓደሓደ ግዜ እውን ናይ ር.ሊ.ጳ. ስራሕ ሓወልቲ ተቢሉ ዝግለጽን፣ ንማሕበራዊ ጉዳያት ዝገልጹ ብንሓስ ዝተፈላለዩ ቅርጻታት ዝሰረሐን ንቅዱሳት መጻሕፍትን ቃላት ቅዱስ ኣቦናን ናብ ስእላዊ ስነ ጥበባዊ ዝቐየረ፣ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብጸጋማይ ሸነኽ ዝቖመ ካብ ዝተፈላለየ ባህላውን ዓሌታውን ድሕረ ባይታ ዝመጹ ኣብ ንእሽተይ ጀልባ ዝተሳፈሩ ስደተይናታትን ህይወትቶም ዝገልጽ ብነሓስ ዝተሰርሐ ቅርጺ 'ዘይፍለጡ መላእኽቲ' ዝብል ኣርእስቲ ዝተኣህቦ ዝሰርሕዎ ሓወልቲ ከም ኣብነት ዝግለጽ እዩ።

ንዝተናዕቁን ዝተረስዑን ክፍሊ ሕበረተሰብ ብዝዝክር ኣቓልቦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተደረኸ

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ፋሲካ ኣብ ዝነበረ ሰሙን፣ ሽማልዝ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብየማን ዝተነብረ ‘ተቐባሊ ኩን’ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃበሉ፣ ኣብ መንበር ዝተቐመጠ ህይወት ናይ ሓደ ግዳም ሓደር ዘርኢ መልኣኽ ኮይኑ ዝግለጽ ሓወልቲ እውን ዝሰረሐ እዩ።

ኣብ ምሉእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስናኦም ፍርንቸስኮ ክጠፍእ ዘለዎ "መዓት" እንክብሉ ዝገለጽዎ ጸገም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘማእከለ ካልእ ስራሕ እውን ፈጢሩ እዩ። ሽማልዝ ዝሰርሖ ስራሕ “ውጹዓት ሓራ ይውጹ” ዝብል ልዕሊ ሰለስተ ቶን ዝምዘን ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ ዘጠቓልል ሓወልቲ እውን ዝቐረጸ እዩ።

ሽማልዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝነበሮ ርክብ ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝፈጠሮ 'ገዛ ዘይብሉ ኢየሱስ' ዝብል ድሕሪ ዝሰረሖ ሓወልቲ ዝጀመረ ኮይኑ - ኣብቲ እዋን እቲ "ኣዝዩ ሱር በተኻዊ" ዝኾነ "ነቲ ቤት ኣልቦ ዝኾነ ክርስቶስ ዝውክል ሓወልቲ እውን ምዃኑ ይገልጽ።

"ምስ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 25 ኣዝዩ ዝሰማማዕ፣ ነቶም ዝነኣሱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርኢ እንኮለና ንክርስቶስ ክንርኢ ይግባእ"፣ እቲ ዝሰረሖ ሓወልቲ፣ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝመጸን፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኢዶም ዘርጊሖም ብርኪ ናይቲ ሓወልቲ ተንኪፎም ከም ዝባረኹዎን ይዝክር። "እዚ ድማ ዘገርምን ኣዝዩ ምሳሌያዊን እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ኣገልግሎት ዝሰማማዕ ብምዃኑ፣ ነቶም ዘይርኣዩ ሰባት ዝትክፉ እዮም።"

ኣብዚ እዋን እዚ እውን "ነቲ ሓልዮትን መንፈስን ቅዱስ ኣቦና" ዘንጸባርቑ ተወሳኺ ናይ ሓወልቲ ስርሓት ህያው ክገብር ከም ዝጀመረ በዚ ኣጋጣሚ እውን ይሕብር።

ዘገርም ርክብ

"ኣብ ማእከል ከተማ ቶሮንቶ ገዛ ዘይብሉ ሰብ ድሕሪ ምርኣየይ እዚ ክርስቶስ እዩ ቢለ ብምሕሳብ እየ ነቲ ቅርጺ ብፍቓደይ ዝሰራሕክዎ። ስለዚ ካልኦት ሰባት ድማ ንኢየሱስ ኣብ ውሽጢ እቶም ዝተገለሉ ክርእይዎ ዝብል ዘሎኒ ድላይ ዝነግር እዩ . . . እቲ ግዜ ትርጉም ዘለዎ እዩ፣ ምኽንያቱ "እቶም ዝተገለሉን፣ ዘይረኣዩን ኣብ ወሰናስን ህልውና ዘለዉ ንኽርኣዩ ዝገብር ኣዚዩ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝተኩር ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘለናሉ እዋን ብሓቂ ልክዕ እዩ።” . . . ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ናይ ዝመኸረ ሲኖዶስ ውዕሎታት፣ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ምእንቲ ስደተይናታትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝግበር ናይ ጽሎት ህሞት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነብረ ዝሰራሕክዎ “ዘይፍለጡ መላእኽቲ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሃብኩሉ ሓወልቲ ፊት ክካየድ ከም ዘዳለዉን እውን ይዝክር።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሓልዮት

"ኣነ ነዚ ዓቢ ሓወልቲ ስደተይናታት - 20 ጫማ ንውሓት ዘለዎ - ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቐውም ክፈጥር ምስ ተሓተትኩ፣ ከመይ ጌረ ንኹሉ እቲ ቅዱስ ኣቦ ዝግደሰሉ ጉዳያት ስነ-ጥበባዊ ውክልና ሂበ፡ ብዝጭበጥ ኣገባብ ናብ ራእይን ናብ ትኹረት ከምጽኦ ከም ዘሎኒ ኣስተንተንኩ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጹ ነጋድያን ነቲ ሓወልቲ ክጥምቱን በእዳዎም ክትክፍዎን ክትርኢ እንኮለኻ ድማ ብሓቂ እቲ ሓወልቲ ዝውክሎ ባህርይ ብዝጭበጥ ኣገባብ ከቕርብ ምፍታነይ ከስተውዕል ገይሩኒ እዩ።

"ሰባት ነቲ ሓወልቲ ክትንክፍዎን ቀሪቦም ክርእይዎን ክትርኢ እንከሎኻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝተገለሉን ዝተናዕቁን ሰባት ዘለዎም ሓልዮት ዝቕጽልን ሰባት ድማ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክግደሱ ዝገብርዎ ዝነበረ ምትብባዕ ዘቐጽል ምዃኑ ርግጸይና እየ ይብል።

ብወንጌል ዝተደረኸ

ዝኾነ ይኹን ዝስራሕ ሓወልቲ ዕላማ ኣለዎ፣ ኣብቲ ክውክሎ ዘለዎ ዝምርኮስ እዩ፣ . . . እቲ ዘይፍለጡ መላእኽቲ ዘርእስቱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቖመ ሓወልቲ ንፍራንቸስኮ ኣዚዩ ከም ዝተንከፎምን በዚ መሰረት እውን ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘተኮረ መጽናዕቲ ክግበርን ነዚ ማሕበራዊ መዓት ንምቅላስ ዝኣመቱ ናይ ሕንጸትን ጎስጓስን መደባት ከዳልዉ እውን ከም ዝሓተቱ ይዝክሩ።

ነቲ ዘይርአ ክፍሊ ሕብረተሰብ ውጅሂ ምሃብ

"ኣብ ዝቐጽሉ ዓመት ነዞም ዘይርኣዩ ሰባት፣ ነዞም ሎሚ ኣብ ውሽጢ ባህልና ዘለዉ ዝተረሰዑ ኣብ ወሰናስን ዘለዉ ኣደዳ ናይ ዘመንና ስርዓት ጊልያነት ዝኾኑ ወጅሂ ንምሃብ ዝኣመተ ሓወልቲ ኣብ ምስራሕ ተጸሚደ እየ፣ ኣብ መወዳእታ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ንዓሚቕን ዓሚቕን ስክፍታታት ቅዱስ ኣቦና ቅርጺ ምሃብ ዝብል ዕላማ ምኽንያት ናይቲ ዝሰርሖ ሕወልቲ እዩ” እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዛዚሙ።

Photogallery

'ቀራጺ ሓወልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት' ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ይዝክር
30 Apr 2025, 17:39