ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርጉእ ኵነታት ጥዕና ይርከቡ ከም ዘለዉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ፣ ብመሰረት እቲ ካብ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ እዋናዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ከኣ ብሓፈሻ ዅነታቶም ርጉእ ኢዩ ዘሎ ።
ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ፣ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረቦ ጋዜጥዊ መግለጺ፣ ሥርዓተ ዙረት ደሞም ንቡር ከም ዘሎን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣፍ ልቦም ኣብ ዝገብረርዎ መርመራ ኤክስ-ሬይ ከኣ ኩነታት ሳንቡኦም ኸም እተመሓየሸ ኢዩ ዝሕብር ክብል ኣመልኪቱ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሓካይም ዝኣዘዙሎም እተፈላለየ መድሓኒታትን ክንክንን ይቕጽሉ ከም ዘለው ውን ብሩኒ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ ። ሥርዓተ ምስትንፋሶምን ከምኡውን ድምጾም እና ተመሓየሸ ይመጽእ ከም ዘሎ ውን ሓቢሩ። ልዑል ዋሕዚ ዘለዎ ሕገዛ ኦክስጅን ብቐንዱ ኣብ እዋን ለይትን ከምኡን ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ እዋን የዘውትሩ ኣለዉ።
ምስ እዚ ኹሉ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንበሮም ኮፍ ኢሎም ተልእኾኦም ኣብ ምፍጻም ይቕጽሉ ኢዮም ዘለዉ።
ቅዱስ ኣቦና ውርሩ ንግሆ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዚርከብ ቤት ጸሎት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሳተፉ ኣለዉ ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ምብጻሕ ከም ዘይተገብረ እኳ እንተ ገለጸ፣ ምስ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ምስቶም ዝቐርብዎ ተሓባበርቶም ግን ውትሩ ይራኸብ ከም ዘለው ተገሊጹ ኣሎ።
ብሩኒ ኣብ መግለጺኡ ሎሚ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘይህሉ ኣፍሊጡ፣ ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ክግበር ዝጸንሐ ቅድስቲ መንበር ነቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ተከታታሊ ኣስተምህሮታት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማተምን ቅድስቲ መንብር ከተውጽኦ እያ።
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዮቤል ሕሙማትን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ስብከት ቃል ኣምላኽ ከሰናድዉ ኢዮም፣ ብዛዕባ መደባት ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንብክያድ ብዝምልከት ድማ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለተ 4 ሚያዝያ ክመሓላለፍ ተመዲቡ ዘሎ ዝቕጽል ሓጺር ግዜጣዊ መግለጺ ክሕበር ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ።
ክሳዕ ሕጂ ተፈሊጡ ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከም ዘመልከቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ክሳተፉ ይኸውን ኣብ ዝብል ሓሳባት ግምታት ምሃብ ጌና ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ውን ገሊጹ።