ር. ሊ. ጳ. ተሓድሶ ተቕዋመ 'ስልጠና ሓዋርያውያን ልኡኹት' ኣካይዶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ "ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት" ዘርእስቱ ሓድሽ ብናይ ኢድ ጽሑፍ ዘመሓላለፍዎ ሰነድ ተሓድሶ ንተመሃሮ ናይቲ ተቕዋመ ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ እተመስረተሉ ዕላማ ኣመሓይሶም፣ እዚ ተቕዋም እዚ ንልዕሊ 300 ዓመታት "ነቶም ኣብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወኪላትን ጸሓፍቲ ቅድስቲ መንበርን ብምዃን ንዘገልግሉ ንሞያኦም ኣብ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ንዝገብሩ ወለዶታት ካህናት" ዘሰልጥን ዘሎ ኢዩ።
እዚ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ውጥናት እዚ ተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከባ ሃገራት ዝፍጽምዎ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ብኣግባብይ ንከካይዱን ከምኡውን ነታ ብቐጻሊ እትቀያየር ዘላ ዓለም ንዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንኽዋጽኡ ዘኽእሎም "ጽኑዕን" ከምኡውን "ቀጻልን" ሥነ መዕበያ ብምሃብ ንምስንዳው ከምኡውን "መሰረታዊ" ባህርያት ከም "ጽን ኢልካ ምስማዕን ምስክርነት ናይ ኣሕዋት ናይ ምቕባል ኣቕዋምን ከምኡውን ምዝታይ" ከም ዝምዕብል ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ።
እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ተሓድሶ ብሒደት ለውጥታትን ንኣሽቱ ምትዕርራያትን ኣቢሎም ነቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጐ ህዝብታትን ኣብያተ-ክርስትያንን ንምውካል ቀጻሊ ጻዕሪ ኽገብሩ ጻውዒት ዝቐረበሎም ሰባት ኣብ "ተልእኾ ክህነት" ንምድልዳል ዝዓለመ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ "ዕላማኡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰበኻታት ንዝመጹ መንእሰያት ካህናት ነቲ ብቅዱስ መንፈስ እተዋህቦም ተልእኾ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምሉእ ብምሉእ ግቡእን ንኽፍጽሙ ንምስንዳው ኢዩ" ይብል።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ "እቶም ንመጻኢ ተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምዃን ዝወሃቦም መደባት ሥልጠናታት ንኽልሰ-ሓሳባዊ ኽእለታት ምስቲ ብዛዕባ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣህጉራዊ ርክባት ዓሚቝ ምርዳእ ንምሓዝ ዘኽእል ናይ ስራሕ ኣቅዋምን ኣነባብራን ዘጣመረ ኢዩ" ብምባል ውን ይገልጽ።
እዚ ውሳነ እዚ "ክፍሊ ናይቲ ብመሰረት መለለዪ ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣህጉራዊ መለክዒታት ናይ ቤተ-ክርስትያን መጽናዕትታት ንምምሕያሽን ንምሕዳስን ዘሎ ሰፊሕ ሓሳባት ውን ዘሳነየ ኢዩ።"
እቲ ኣብ መጻኢ ንጳጳሳውያን ተወከልቲ ዝወሃብ ናይ ስልጠና ጕዕዞ፣ ነቲ ኽልሰ-ሓሳባዊ ኽእለት ምስቲ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ ኣህጉራዊ ርክባት ዓሚቝ ምርዳእ ንምሓዝ ዘኽእል ናይ ስራሕ ሜላን ኣነባብራን ዘጣመረ ኢዩ' ብምባል ውን እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር እተዋህበ በግለጺ የመላኽት። ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ናይ ኢድ ጽሑፍ ቅዱስነቶም እተዳለወ ቐንዲ ሕመረት ወለዶታት እዚ ተቅዋመ ሥነ ትምህርት እዚ ንዲፕሎማሲያዊ ስነ-ፍልጠት ንምጽናዕ ከም ሓደ ትካል ሥልጠና ንምቛም ዀይኑ፣ እዚ ኸኣ "ጳጳሳዊ ኣቅላስያዊ ተቅዋም ሥነ ትምህርት ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማያዊ ስነ-ፍልጠት ዝለዓለ ትምህርታዊ ስልጠና ዚህብ ትካል ኰይኑ እንደገና ተሓዲሱ ኣሎ"። እዚ ውሳነ እዚ ቐጺሉ "ክፍሊ ናይቲ ምስ ኣህጉራዊ መለክዒታት ዝለዓለ ትምህርቲ ብምስምማዕ ናይ ቤተ - ክርስትያን መጽናዕትታት ንምምሕያሽን ንምድልዳልን ዘለዎ ሰፊሕ ሓሳባት ውን ዘመልክት ኢዩ ።
በዚ ተሓድሶ እዚ ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ "ኣብ ዲፕሎማያዊ ስነ-ፍልጠት ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ መዓርግ ትምህርቲ ዝህብ ክኸውን ኢዩ። ብዛዕባ ሥርዓተ ሕግን ፖለቲካውን ቍጠባውን ታሪኽን ከምኡውን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ርክባትን ምስኡ ብዝተሓሓዘ መጽናዕትን ብዝምልከት መጽናዕትታት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።"
እቲ ጳጳሳዊ ሰነድ ዝያዳ ብዝርዝር ከምዚ ብምባል ይገልጽ - "እቲ ናይ መደባት ሥነ ትምህርቲ ምስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሥርዓትን ምስ ስርዓታት ናይ ኩርያ ሮማናን ምስ ድሌታት ናይ ኣከባብያውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብሓፈሻ ኸኣ ምስ ዕዮ ስብከተ ወንጌል ምስ ንጥፈታት ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ምስ ባህልን ሰብኣዊ ሕብረተሰብን ዘለዎ ርክብ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኽተኣሳሰር ጥንቃቐ ክግበረሉ ኣለዎ" ክብል ውን የመላኽት ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዚ "ኣብ ንጥፈታት ሓዋርያዊ መንበርን ከምኡውን ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላምን ናጽነትን ሃይማኖትን ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ጭቡጥ መገዲ ዘተን ውዕላትን ንምምሕያሽ ዘኽእል ተወሳኺ ቀንዲ ረቛሒታት ናይ ሓዋርያዊ ዕላማታት ንኽዓዪን ማእከልነት ንኸዘውትርን፣ ዕንቅፋታት ንኽሰግር ከምኡውን ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላምን ናጽነት ሃይማኖትን ንምስፋንን ዘኽእል ጭቡጥ መገድታት ንምምዕባል ኢዩ።"
ድሮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣቅላሲያዊ ተቅዋም ሥነ ትምህርት ዝካየድ ውጥናት ተበግሶታት ብምውሳት ገለ ምትዕርራያት ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።
ብተመሳሳሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዚ ሓዲሽ ብናይ ኢድ ጽሑፍ ዘመሓላለፍዎ ሰነድ ገይሮም ነቶም "ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ተኪኢ ጴጥሮስ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቑሕን ህዱእን ዓይኒ" ኮይኖም ከገልግሉ ዘለዎም ሰባት ተወሳኺ መምርሒ ዝህቦም ኢዩ፣ አረ እኳ ደአ ሓድሓደ ግዜስ "ጸልማት ናይ እከይ ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ብምድንጋርን ጥርጣሬን ከም ዘሕድር ዝገብር ኢዩ ዝመስል"።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ዲፕሎማሲያውያን ኣገልገልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናይ ክህነት መንፈሶምን ሰብኣዊ ባህርያቶምን ክእለቶምን ዜንጸባርቕ ንጥፈታት ጕስነት" የካይዱ ውን ይጽውዕ። ብተወሳኺውን "እቲ ንዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሕድሪ እተዋህቦም ተልእኾ ንዕኡ ኣብ መንጐ ሰበኻታት ንምውካል ዘጠቓልል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ "ነቲ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዀነን በቲ ንህይወት ማሕበረሰብን ሃገራትን መሰረታዊ ዝዀነ ሕግታት ኣህጉራዊ ሥርዓትን ክኽበርን ዘለዎ፣ ብተፈጥሮኣውን ናጻን መሰል ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም ዘንጸባርቕ ኢዩ።" ኣብዚ ግዜና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ይብሉ - "እዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብተን ቤተ-ክርስትያን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ኣብ ስብከት ወንጌል እተሰረተትለን ሃገራት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብተን ሓድሽቲ እናዓበያ ዝኸይዳ ዘለዋ ሃገራን ማሕበረሰባትን ወይ ከኣ ብተወከልታ ኣቢላ ኣብ ዝግበር ኣህጉራዊ ዋዕላታት እውን ከም ዝፍጸም ንጹር ኢዩ። በዚ ኣገልግሎታት እዚ ኣቢሉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽትዓት ተጠንቂቑ ይከታተሎ ንመጐተታት ይግምግም ንስነ-ምግባራውን ሃይማኖታውን ጕዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ነቲ ንሕጅን ንመጻእን ንሰብኣዊ ስድራቤት ዝምልከት ዓበይቲ ጕዳያት ክግምግም ሓሳባት ዘቕርብ ውን ኢዩ።"
ስለዚ "ዝለዓለ ደረጃ ሥነ ትምህርታውን ስነ-ፍልጠታውን ሥልጠናታት ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ንጥፈታቶም ግድን ምስ ክውንነት ዓለምና ንኽጽመድ ዝሓትት ፍሉይ ኣገልግሎት ንክኸውን ዝዓለመ ኢዩ፣ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን ቅልጡፍን ቀጻልን ሰፊሕን ለውጥታት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ድማ ኢዩ እዚ ተሓድሶ ኣገዳሲ ዝኸውን ዘሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ሓቂ ሃሴት ብዝብል ስያሜ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓውርያዊ ቅዋም ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ክልሰ-ሓሳባዊ ፍልጠት ምጥራይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን የግዳስ ነቲ ዓሚቝ ኣህጉራዊ ርክባት ንኽርድእዎን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተሓድሶ ሲኖዳዊት ቤተክርስቲያን ከጋጥማ ዘለዎ ትጽቢታትን ጸገማትን ንኽስዕቡ ዘኽእሎም ናይ ስራሕ ስንድዉነትን ኣነባብራን ከማዕብሉ ኣድላዪ ኢዩ።"