ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሳን ዶሚንጎ ኣብ ናይ መዘናግዒ ሕንጻ ዘጋጠመ ሓደጋ ግዳያት ንዝኾኑ ይጽልዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ርእሰ ከተማ ሳንቶ ዶሚንጎ ኣብ ዝርከብ ናይ መዘናግዒ ሕንጻ ብዘጋጠመ ምፍራስ ናሕሲ ንዝሞቱን ዝተጎድኡን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሚያዝያ ንግሆ ኣብ ካሪብያናዊት ከተማ ሳንቶ ዶሚንጎ ኣብ ዝርከብ ናይ መዘናግዒ ስፍራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ናሕሲ፣ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝሞቱ ምስ ተሓበሮም፣ ኣብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፣ እግዚኣብሔር ኣብ መግንስቱ ክቕበሎምን ነቶም ዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ምሕዋይ ክጽግዎምን ከም እተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።
ልዕሊ 300 ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ረፓሊካዊት ዶመኒካን ኣብ ዝርከብ ጀት ሴት እተሰምይ ናይ መዘናግዒ ሕንጻ ከም ዝነበሩን፣ ካብኣቶም ድማ 155 ሰባት ከምዝደሓኑ ሰብ መዚ ህጹጽ ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ከተማ ሳንት ዶሚንጎ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራን፣ ንስድራቤት ምዉታት “ልባዊ ምጽንናዕ” ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም፣ እቶም ዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ሕውየት ክጽግዎም ከም እተማሕጸኑን፣ ነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተተንከፉ ኩሎምን ነቶም ዝተጎድኡን ፍቱዋቶም ዝሰኣኑን ኣብ ምሕጋዝ ንዝርከቡን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ኣመላኽት።
11 Apr 2025, 17:20