MAP

2025.04.13 ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር 2025.04.13 ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር  (Vatican Media)

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት እተዘርገሐ ንሰንበት በዓለ ሆሳዕና ፍርቂ መዓልቲ ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ምመናን ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምስትንታን እምነቶም ከደድሉ ኣተባቢዖምን ከም ኢየሱስ ድማ ብናይ ኣቦ ርህራሄን ምሕረት ዝመልኦን ሕቑፊ ዝተኸቡ ኮይኑ ክስምዖን ክም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግዜ ሓዘንን ድኻምን “ንተስፋ ምቑራጽ ወይ ብምረት ንርእስና ከይንዓጽው” ዝሕግዘና “መሳጥን ምሕረት ዝመልኦን” ሕቑፊ እግዚኣብሔር ንምእመናን ኣዘኻኺሮም፣ ኣስዒቦም ኣብቲ ዘሰናደውዎ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተዘርገሐ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 22, 14 – 23, 56 ኣሞርኩይዞም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዋላ ሓደ መከላኸሊ ዘይብሉን ዝተዋረደን ኢየሱስ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ልቡን ገዝእ ርእሱ ንሕቝፊ ኣቡኡ ኣሕሊፉ ክህብን ናብ መስቀል ገጹ ክኸይድ ንርኢ፣ ናይ ሎሚ ሊጡርጊያ ድማ “እዚኦም ስሚዒታት እዚኣቶም ከነስተንትኖምን ናትና ክንገብሮምን ይዕድመና . . . ኩላትና ስጋዊ ይኹን ግብረ ገባዊ ሓዘን ይህልወና፣ እምነት ድማ ንተስፋ ምቑራጽ ኢድና ከይንህብ፣ ኣብ ምረት ገዛእ ርእስና ክንዓጽው ዘይኮነስ፣ ክንገጥሞ ይሕግዘና፣ በዚ ድማ ከም ኢየሱስ፣ ብናይ ኣቦ ሓልዮትን ምሕረት ዝመልኦን ሕቑፊ ዝተኸደንና ኮይኑ ክስምዓና እዩ።”

“ኩላትና ሓዘን ኣሎና ( . . . ) እምነት ንተስፋ ምቑራጽ ኢድና ከይንህብ ትሕግዘና!”

እንክብሉ ቅዱሰንቶም ዝለገስዎን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝተዘርገሐ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ይዛዝሙ።

14 Apr 2025, 17:47