ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ሆሳዕና፣ ምሕረት ኣምላኽ ርህሩሃት ንኽንከውን ይጽውዓና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣርጀንቲናዊ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 13 ሚያዝያ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ሕውይነት ይቅጽሉ ብምህላዎም ንትእዛዝ ሓኻይም ብምኽባር ኣብቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 40 ሺሕ ምመናን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽመርሑ ከም ዝሓረየዎምን፣ ካርዲናል ሳንድሪ ነቲ ሞትን ትንሳኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበዓለሉ ቅዱስ ሰሙን ዘበግስ በዓለ ሆሳዕና ዘዳለውዎ ስብከት ንቕዱስነቶም ወኪሎም ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘንበቡን፣ ኣብ በዓለ ሆሳዕና ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ህዝቢ ብሓጎስ ከም እተቐበሎን ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ጥራይ ኣብ መገዲ ስቓይን መከራን መስቀል ተሰኪሙ ካብታ ብሓጎስ ዝተቐበለቶ ከተማ ሞት ተፈሪድዎ ክወጽእ እንከሎ ነስተንትኑ።
ስምዖን ቄሬናዊ
ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ እቲ ብወተሃደራት ሮማውያን ተታሒዙ ንእተወሰነ እዋን መስቀል ኢየሱስ ክጸውር ዝተገደደ ብዛዕባ ስምዖን ቄሬናዊ ዝነግር ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 22, 14 – 23, 56 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፣ እዚ ሰብ እዚ ዋላ እኳ እንተዘይመረጸ፣ ብውልቁ ኣብ ስቓይ ጐይታ ብኸመይ ከም እተሳተፈ ገሊጾም፣ "መስቀል ኢየሱስ ናይ ስምዖን መስቀል ይኸውን" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ተግባራት ስምዖን ክልተኣዊ መልክዕ ዘለዎ ይመስል። ኣብ መንገዲ ቀራንዮ መስቀል ኢየሱስ ተሰኪሙ ክኸይድ ተገዲዱ፣ ሓሳቡ ከምኡ እውን እንተዘይነበረ ብውልቁ ኣብ ስቓይ ጐይታ ይሳተፍ። ኣብቲ ህሞት እቲ ድማ ኣብ መንጎ ስምዖንን ኢየሱስን ምንም ዓይነት ዘተ ከም ዘይነበረን መንጎኦም ዝነበረ ድማ መስቀል ጥራይ ምዃኑ የነጽሩ።
ስምዖን ኣብ ታሪኽ ድሕነት ዝነበሮ ተራ
ናይ ስምዖን ቄረናዊ ልቢ ንምርዳእ፣ ናይ ኢየሱስ መከራኡ ክካፍሎ ክግደድ እንከሎ ይደንግጸሉ ይራሕርሓሉን ብዘየገድስ፣ ንልቡ ክንምርምር ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ብጀካ’ዚ "ልቢ ኣምላኽ በቲ ምሕረቱ ዚገልጽ ስቓይ ወትሩ ኽፉት እኳ እንተ ዀነ፣ ልቢ ሰብ ግና ዕጽው ኮይኑ ይተርፍ።" ስምዖን ቄረናዊ ኣብቲ እዋን እቲ እንታይ ከም ዝተሰምዖ ንሕና ክንፈልጦ ዝከኣለና ኣይኮነን። እቲ እንፈልጦ ወንጌል ከም ዝነግረና ድማ፣ ነቲ ሓጢኣት ኵሎም ደቅሰብ ናቱ ናይ ዝገበረ ክርስቶስ መስቀል ከም ዝጾሮ እዩ። "ኢየሱስ ንኣቦ ብምእዛዝ ንዓና ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ምሳናን ምእንታናን መከራ ኣሕሊፉ እዩ። በዚ ዘይተጸበናዮን ዘገርምን መገዲ እዚ ስምዖን ቄረናዊ እቲ ናይ ማንም ሰብ ፈጺሙ ጋሻ ዘይኮነሉ፣ ንኹሉ ናይ ዝኽነ ናይ ድሕነት ታሪኽ ተዋሳኢ ይኸውን።"
መስቀል ነንሕድሕድና ክንስከም
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣብ ሕይወትና "ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ኩነታት ምስ ኩሉ ክራኸብ ዝመጽእ ምዃኑ” ዝምህረና ኣሰር ስምዖን ቄረናዊ ከመይ ጌርና ክንስዕብ ከም ዘሎና ሓሳብ እንከቕርቡ፣ ኣብ ከባቢና ጥራይ ኢና ክንጥምት ዘሎና፣ “ኣብ ዓለምና ብዙሓት ብጽልእን ብዓመጽን መስቀል ክስከሙ ዝግደዱ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ቀራንዮ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ዝጓዓዙ ንመልከት” እቲ መገዲ ቀራንዮ ኣምላኽ . . . ናብ ድሕነት ዝወስድ መገዲ ቀይርዎ እዩ፣ ንሱ ባዕሉ ዝተጓዓዘሉ መገዲ . . . “ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበሉ።”
“ኣብ ዘመንና ክንደይ ስምዖን ቄረናዊ ኣለዉ፣ መስቀል ክርስቶስ ኣብ መንኵቦም ዝተሰከሙ! ከነለልዮም ንኽእል ዶ? ብጾር ውግእን ድኽነትን ኣብ ዝተበላሸዎ ውጅሃቶም ንኢየሱስ ከነለልዮ ንኽእል ዶ? "እቲ ዘስካሕክሕ በደል ክፍኣት ክገጥመና እንከሎ፣ መስቀል ክርስቶስ ብኸንቱ ኣይንጾርን ኢና። ብኣንጻሩ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ እንካፈሉሉ ዝጭበጥ መንገዲ እዩ።"
ስቓይ ኢየሱስ ከመይ ጌሩ ርህራሄ ይኸውን
ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብ እዋናዊ ዓለም ነቶም ዝሳቐዩ ኣእዳውና ክንዝርግሕ፣ ንዝወደቑ ከነልዕን፣ ነቶም ተስፋ ዝቖረጹ ክንሓቁፍን እንኮለና፣ "ናይ ኢየሱስ ስቓይ ርህራሄ ከም ዝኾነ ንምስክር . . . ኣብ’ዚ ቅዱስ ሰሙን እዚ ህይወትና ንመርምር ቢሎም፣ ናይ ኣምላኽ "ዓቢ ተኣምር ምሕረት፣ ናይ ገዛእ ርእስና መስቀል ኣብ ምስካምን፣ ናይቶም ኣብ ዙርያናን ኣብ መገድና ዘጋጥሙና ዝሳቐዩ ሰባት መስቀል እውን ከይተረፈ ናትና ኣብ ምግባር ክም እንረክብ ገሊጾም፣ ስለዚ "ንሓድሕድና፣ ስምዖን ቄረናዊ" ክንከውን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።