ር.ሊ.ጳ. ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳት ንጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ክድግፉ ይዕሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ - The Pontifical Lateran University (PUL) ንመጻኢ ተማሃሮ ዘቕርቦ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ከምኡ እውን ሊቕነትን ደረጃ ዝረኽብሉ ስነ ትምህርታዊ ክፍሊ መጽናዕትታ ናይ ለምዘበን ናይ ትምህርቲ ዓመት ዕለት 15 ግንቦት ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮም፣
ኣብ ቀረባ እዋን ብላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዝእንገድ ኣገደስቲ መደባት
ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ንመንነትን ተልእኾን መምሃራን ቲዮሎጊያ ዝድህስስ ኣገዳሲ ቲዮሎጊያዊ ጉባኤ ከካይድ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ እዚ ጉባኤ እዚ እውን በቲ ኣብ መወዳእታ 2024 ዓ.ም. ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ "ናይ ቲዮሎጊያ መጻኢ" ብዝብል ኣርእስቲ ዘካየዶ ኣህጉራዊ ጉባኤ ዝተነቓቐሐ ምዃኑ እውን ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ መንበረ ጥበብ ከም ማእከል ስነ ትምህርትን መጽናዕትን ብሉጽነትን ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ መጋበርያን ምዃኑ ኣብ ዝገልጽ ድርብ መንነቱ ብምቕጻል፣ ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ፣ ዕለት 28 ሚያዝያ፣ ነዚ መሰረታዊ ህሞት ኣብ ታሪኽ ክርስትና ዳግማይ ዝድህስስ ዓውደ መጽናዕቲ ብምክያድ ክዝክር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እዚ ፍጻመ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ተዛማድነት ናይቲ ጉባኤ ብፍላይ ኣብ ምድንፋዕ ኤቍመናዊ ዘተ ዝሰማማዕ እዩ። እዚ ኸኣ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ነቲ ታሪኻዊ ተዘክሮ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምዕቃብ ጥራይ ከም ዘይሓጽሮን የግዳስ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጕስነትን ቲዮሎጊያዊ ጕዳያትን ንምግልጋል ብውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚትርጕሞ ዚሕብር ንጹር መርትዖ ምዃኑ የስተብህሉ።
ብተወሳኺ እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ናይ ጽድያ ዓውደ - ኣዋርሕ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓባራዊ ምስትውዓልን ምትሕብባርን ዘለዋ ኣተኵሮ ዘቃልሕ ዕለት 10 ሚያዝያ ዝካየድ መዓልቲ ሲኖዳውነት ከምኡ’ውን ዕለት 6 ግንቦት ዝዝከር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ስምምዕ ሄልሲንኪ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እቲ መንበረ ጥበብ ብዘለዎ መርሓ ግብሪ ስነ ፍልጠት ሰላም ኣቢሉን ብእተፈላለየ ዓውድታትን ብዝህቦ ትኹረትን ምስ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ዘለዎ ምትእስሳርን ዘጉልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ
እዞም ፍጻሜታት እዚኣቶም ኣካል ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስነቶም ቅድሚ ናብ ቤት ሕክምና ምእታዎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ልኡካን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳት ንጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ክድግፉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ዘስመሩሉ ሰፊሕ ተልእኾ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "እቲ ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየን ኩሉ ግዜ ሓድሽን ኩነታት ዝድርኽ ቀጻልን ዝተሓደሰን ድርኺት ስብከተ ወንጌል ብዘይ መሰረት ጽኑዕን ክኢላን ቲዮሎጊያዊ መንፈሳውውን መቓን ፍረ ክረክብ ኣይክእልን እዩ" ከም ዝበሉን፣ "ብሓቂ "እዚ ነቲ ኣድላዪ ባህላዊ መንጎይናነት እምነት የመቻችእ፣ እዚ ድማ ምስ ካልኦት ዓውድታት ፍልጠት ንዘተ ክፉት ኣብ ዝኾነ ነጸብራቕ እኳ እንተተነጸረ፣ ቀንድን ዘልኣለምን ምንጩ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብን 'ምስቲ ብፍጻመ ራእይ ዝተገልጸ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ሃብቲ ክውንነት' ይሰማማዕን"።
"እቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ንምዝርዛር "ባህላዊ ቤተ- ሙከራ" ክኸውን ዝጽዋዕ ናይ ሓባር ምድላው ብቐንዱ ናይቲ ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ዝርከባ ናይ ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብን ክፍሊ መጽናዕትታትን እዩ።" ይኹን እምበር ቅዱስነቶም፣ ኣብ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽናዕቲ ማእከል ዝህቦ ክቡር ኣበርክቶ ኣፍልጦ ሂቦም፣ "ኣብ ሮማ ዝርከቡ ጳጳሳዊ መናብረ ጥበብን ናይ መጽናዕቲ ተቕዋማትን ትካላትም ዝተጻወትዎ ፍሉይ ተራ" ይዝክሩ።
"እዘን መብዛሕትኡ ግዜ ንመንፈሳዊ ህያባት ናይ ሓንቲ ሃይማኖታዊት ስድራቤት ዝገልጻ መናብርተ ጥበብ፡ ተቕዋማትን መናብርተ ምርምርን፡ ንዘመናት ንረብሓ መላእ ቤተክርስትያን ዝኸውን ናይ ሕንጸትን ምርምርን ዕድላት ሂበን እየን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንልዕሊ 250 ዓመታት ዝጸንሐ ኣገልግሎት
ካብዞም ትካላት እዚኣተን ር.ሊ.ጳ. “ንልዕሊ 250 ዓመታት ትምህርታዊ ኣገልግሎት እናሃበ ዝጸንሐን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘለዎ ፍሉይ ምትእስሳር መሰረት ናይ ሮማ ጳጳስ መዓርግ ዘለዎን ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ከጉልሕ እደሊ . . . ዓመታዊ ናብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕታትን ሮማ፣ ካብ ሃገረ ስብከታት፣ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ማሕበራትን ዝለእኣኩ ተመሃሮ ፍልስፍና፣ ቲዮሎጊያ፣ ቲዮሎጊያ ስነ ጉስነት፡ ሕገ ቀኖናን ፍትሓ ብሔርን፣ ከምኡ’ውን ስነ ሰላምን... ስነ-ህይወት መጽናዕትታት" ዝብል ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም፣ “ተማሃሮ ናብ ሮማ ምልኣኽ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን እውን እንተኾነ ብመጽናዕታዊ ውጥናትን፣ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ወይ ካልእ ተበግሶታት ብንጥፈት ብምድጋፍ ኣብ ሕንጸት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ክትሳተፉ እሓተኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።