MAP

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ፥ ኣብ ቀመራዊ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዓለም ቁጠባ ኣምላኽ ምሕቋፍ

ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ዝሳተፍዎ በቢ ዓመቱ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዝፍጸም ጸሎተ ፍኖተ መስቀል፣ ለምዘበን 2025 ዓ.ም. ዕለት 18 ሚያዝያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝደረስዎ ኣስተንትኖ ተሰንዩን ንቕዱስነቶም ብዝወከሉ ናይ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ጳጳስ ካርዲናል ባልዶ ረይና ተመሪሑ ከም እተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል፥ ኣብ ስሌትን ቀመራዊ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣብ ዝሑል ስነ - መጎትን ዘይርጉእ (ዘይስነ ምግባራዊ) ረብሓታትን ዝተሃንጸ ኢሰብኣዊ ቁጠባ ኣብ ዝግጠመሉ እዋን፡ እቲ እንኮ ለውጢ ናብ መድሓኒ ምምላስ ምዃኑ የረድኡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ዝቐርብ መንገዲ - ንውሽጢ ዝግበር ጉዕዞ፣ ናይ ሕልና መርመራ፣ ኣብ መንገዲ ቀራንዮ ኣብ እተገልጸ ስቓይ ክርስቶስ ደው ምባል - ዝጠልብ ምዃኑ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዓርቢ ስቕለት ናይ ዝቐርብ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ዝደረስዎ ኣስተንትኖ ገሊጾም፣ ፍኖተ መስቀል ብሓቂ እቲ “ናብዛ እግዚኣብሔር ዘፍቅራ ዓለም” ዝወረደ ኢየሱስ ዝተጓዓዘሉ መገዲ ምዃኑ (ካልኣይ ምዕራፍ)፣ ብምዝኽካር ክርስቶስ ዝህቦ መልሲ ሓላፍነት ምቕባል” ዝብል እውን እዩ። “ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ”፡ ንርእሱ “ኣብ መንጎ ክልተ ተጋራጨውቲ ወገናት” ብምዃን ዘማልድ እዩ (ምዕራፍ ዓስርተሓደ)። ናብ እግዚኣብሔር ድማ የቕርቦ፣ ምኽንያቱ ናቱ “መስቀል መናድቕ የፍርስ፣ ዕዳታት ይስርዝ፣ ፍርዲ ይሰርዝ፣ ዕርቂ ይምስርት።” ኢየሱስ፡ “ናይ ሓቂ ኢዮቤል ባዕሉ እዩ”፡ ክዳውንቱ ቀንጢጡ፣ “ነቶም ክመውት ዝዕዘቡ” ንዝነበሩ ከይተረፈ ዝተገልጸ፣ “ከም ፍቑራት ብኣቦ ዝተዋህብዎ ገይሩ ድማ” ይጥምቶም፡ “ንኹላትና ነፍሲ ወከፍና” (ዓስራይ ምዕራፍ) ከድሕን ዘለዎ ድሌት ዘርኢ ምዃኑ የስተንትኑ።

ቁጠባ ኣምላኽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተንኮላት ሓራ ወጺእና “ዘይቀትል፡ ዘይጓሓፋይ ወይ ዘይዓብላሊ፣ ትሑት ንምድሪ እሙን” ዝኾነ “ቁጠባ ኣምላኽ” ከነስተውዕል ይዕድሙና - ከምኡ’ውን መንገዲ ኢየሱስ፣ ማለት ናይ “ብጽእና መገዲ ክንስዕብ ይዕድመና፣ እዚ ድማ “ዝጭፍልቕ ዘይኮነስ፡ ዘልምዕ፡ ዝጽግንን ዝከላኸልን እዩ (ሳልሳይ ምዕራፍ)። እንተኾነ ግን እቲ “መለኮታዊ ቁጠባ” (ሻብዓይ ምዕራፍ) ዘይከም ናይ ሎሚ ቁጠባታት “ናይ ስሌትን ቀመራዊ ሰብ ሰርሖ ኣተውዕሎን፡ ናይ ዝሑል ስነ - መጐትን ምስ ግብረ ገብ ዘይዕረቕ ረብሓታትን”- ዝንበረሉ ዘይኮነስ ንስለ ሰብኣዊ ፍጥረት ክርስቶስ መስቀል ምቕባሉን፣ እቲ ናይቲ መስቀል ክብደት ድማ ብዛዕባ እስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ዝዛረብን እዩ፣ . . . ንሱ ጐይታን ሕይወት ዝህብን እዩ” (ካልኣይ ምዕራፍ)። ብኣንጻሩ ግን "ንሕና ካብ ሓላፍነት ንርሕቕ . . . ካብቲ ዘቐመጥካና ዅነታት ምህዳም ኣቋሪጽና ምስቶም ዝሃብካና ኽንጸንሕን" ግበረና እንክብሉ ድማ ይምሕጸኑ፣ ኣብቲ ንስኻ ኣብ እተንብረና ምዃን 'ምቝሓት ካብ ምዃን የናግፈና፣ ብሓቂ ጾር ኰይኑና ዘሎ ነገር "ስስዐ" ከምኡውን "ዘይምግዳስ" ምዃኑ የስተንትኑ።

ጸሎት ናይቶም ኣብ ጻኣት ዘለዉ ሰባት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መእተዊ ምዕራፍ ዓሰርተ ኣርባዕተ፣ ኣብቲ ኢየሱስ ናብ ጎልጎታ ዝገብሮ ስጉምቲ፣ "ናብ ሓዳስ ምድሪ ንኸነብል፣" ዝተባብዓና ምዃኑ የስተንትኑ፣ ምኽንያቱ ክርስቶስ "ንዓለም ክልውጥ ስለ ዝመጸ።” ንሕናውን "ኣንፈት ክንቅይር ኣሰሩ ኽንርኢ" ኣሎና። በዚ ድማ “ምዕራፋት ፍኖተ መስቀል ጸሎት ናይቶም ኣብ ጸኣት ዘለዉ ሰባት እዩ። ንልማዳትና ይዝርግ።” ኣብዛ “ንኹሉ ብቐመራዊ ኣገባብ እትጽብጽብ ዓለም፣ . . . ሓላይ ምዃን ከቢድ ዋጋ ኣብ ዘኽፍል ዓለም” ክቡር መንገዲ እዩ። “ህያብ ምዃን ንኹሉ የዐንብብ፤ ብግጭት ዝተኸፋፈለትን ዝተበታተነትን ከተማ ናብ ዕርቂ ትሰጋገር፤ እቲ ደረቅ መንፈሳውነት ድማ ፍሩይነት መብጽዓታት እግዚኣብሔር ብምልላይ ይልወጥ፣ እቲ እምኒ ዝኾነ ልቢ ድማ ስጋ ናብ ዝኾነ ልቢ ይቕየር።

ሰብኣዊ ናጽነት

እቲ ኢየሱስ እተፈርዶ ናይ ሞት ፍርዲ “ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ኵነታት ውልቃዊ ናጽነትና ኸነስተንትነሉ ይድርኸና” (ቀዳማይ ምዕራፍ)። ካብቲ ኣምላኽ ንርእሱ "ኣብ ኣእዳውና" ብዘየማትእ ኣገባብ ዘንበሮ 'ቕዱስ ምጭናቕ' ነቶም ብዘይፍትሓዊ መገዲ እተኸስሱ ሓራ ንምውጻእን ዝተሓላለኹ ኩነታት ከነስተውዕልን ነቲ ዝቐትል ፍርዲ ክንቃወምን" ዝድርኽ ዘደንቕ ነገር ክለዓዕል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ህይወትና ለውጢ ኸየጋጥመና ስለ እንፈርህ፣ ናይቲ ኣጽኒዕና እንሕዞ ግደ "እሱራት" ኴንና ንቕጽል። መብዛሕትኡ ግዜ ብፍኖተ መስቀል ክንሓልፍ ዘጋጥመና ኩነት የምልጠና። እቲ "ንፍርድን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ኣብ እተቓልዑ ነፍሲ ወከፍ ሓውን ሓብትን ብጽሞና ቅድሜና ዘሎ ክርስቶስ ብድሆ የቕረበልና፣ እንተዀነ ግን በሽሓት ዝቝጸሩ ምኽንያታት ("ሃይማኖታዊ ምይይጥ ሕጋዊ ሕቶታት" ከምኡውን "ኣብ ጽሕፍቶ ኻልኦት ከይኣቱ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ልቦና") ኣብ ጐድኒ ሄሮድስ ካህናት ጲላጦስ ከምኡውን እቶም ህዝቢ ከም እንሰሓብ ይገብረና። ኢየሱስ ግና ኣእዳዉ ኣይሓጸበን፣ "ብጽሞና ድማ የፍቅር”። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ምዕራፍ ኢየሱስ ኣብ ዕጸ መስቀል ምሽንካሩ ነስተንትን፣ "ኣብ ኵሉ ዅነታት ክንገብሮ ዘሎና ምርጫ ከም ዘሎ የርየና፣ እዚ ኸኣ ንኽልቲኦም እቶም ብየማኑን ብጸጋሙን ተሰቒሎም ዝነበሩ ገበነይናታት ይሓልየሎም ነቲ ዝጸርፎ ኮነ ነቲ ዝልምኖን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነቶም ዝሰቕልዎ፣ “ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቕረ በለሎም” ብምባል ከም ዝሓልየሎም የርእየና።

ምውዳቕን ምልዓልን።

ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ኢየሱስ “ንመጀመርታ ግዜ ከም ዝወደቐ ነስተንትን፣ “ፍኖተ መስቀል ድማ ኣብ ምድሪ ምልኩት ምዃኑ ይምህረና፣ ሓያላት ንሰማይ ሃረር እናበሉ ካብ መስቀል የንሳሕቡ፣ ግናኸ ሰማይ ኣብ ቀረባና እዩ ዘሎ፣ ኣብ ምውዳቕና እውን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።” ኣብቲ ንኻላኣይ ግዜ ከም ዝወደቐ ዘስተንትን ምዕራፍ (ሻብዓይ ምዕራፍ) ክርስቶስ 'ከም እንወድቕን ከም እንትንስእን' የርእየና፣ ወዲቕካ ኸም ብሓድሽ ተንስእ"፣ እዚ ኸኣ ሓጢኣትን ምልዋጥን ሰብኣዊ ፍጡር ዝነብሮ ህይወት እዩ። ከም ብሓድሽ ኣብ ምጅማር ዚርከብ ሓጐስ ከም ብሓድሽ ምውላድ ዜምጽኦ ሓጐስ" እውን ይስምዓና። ሰብ “ብኢድ ኣምላኽ እተፈጥረ እዩ። እዚ ድማ ጸጋን ሓላፍነትን ብሓደ ዝጥርንፍ እዩ፣ ይኹን እምበር ነታ ክርስቶስ ዝመረጻ መገዲ ብምንጻግ መብዛሕትኡ ግዜ ውድቀትና ንሓብእ። እቲ "ካብ ሓደ ነቲ ተስዓን ትሽዓተን ዝቑጸሩሉ"፣ ናይ ሎሚ ዓለም ኣብ ከምዚ ዝበለ ስነ- መጎት፣ "ናይ ስሌትን ቀመራዊ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን፣ ናይ ዝሑል ስነ - መጎትን ዘይግብረ ገባዊ ረብሓታትን" ዝተሃንጸት እያ። እቲ "መለኮታዊ ቁጠባ" ብኣንጻሩ ካብኡ ዝተፈልየ እዩ። ናብቲ ወዲቑ ዳግማይ ዝትንስእ ክርስቶስ ምምላስ "ኣንፈት ምቕያርን ፍጥነት ምቅያርን - ሓጎስ ዝመልስን ናብ ቤትና ዘምጽኣናን ምልዋጥ እዩ።"

ከም ቀሬናዊ

ኣስምዖን ቀሬናዊ (ሓምሻይ ምዕራፍ)፣ ካብ መሮር እናተመልሰ እንከሎ፡ “ናይ ኢየሱስ መስቀል ዘሰከምዎ፣ ንኣምላኽ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእል ዘርኢ እዩ።" ዋላኳ ስምዖን መስቀል እንተ ዘይሓተተ ነቲ ዘንበሩሉ መስቀል ተሰኪሙ ከደ። ኣርዑት ክርስቶስ ልዙብ ጾሩ ኸኣ ፈዅስ" እዩ፣ ኣብቲ ንምድሪ ኸም ብሓድሽ ከተፍሪ ዝገብር ዕዮ ማሕረሱ" ከዋስኣና ይፈቱ። እዚ ዜገርም ብርሃን እዚ የድልየና እዩ። ብዘይ ኣምላኽ ጻዕሪ ኵሉ ከንቱ እዩ፤ "ሓዳስ ኢየሩሳሌም ብመገዲ መስቀል ተንሲኣ እያ" ዝብል ኣስተንትኖ የቕርቡ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንገዲ ቀራንዮ

ራብዓይ፣ ሻድሻይን ሻምናይን ምዕራፋት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዘጉልሑ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ኣብሪሆም፣ ማርያም: ቨሮኒካን ኣዋልድ ኢየሩሳሌምን ዘማእከሉ ምዕራፋት እዮም። ደቀ መዛሙርነት ማርያም “መስዋእቲ ዘይኰነስ ቀጻሊ ርኽበት” እዩ። ንሳ እታ “ቀዳመይቲ ደቀ መዝሙር” “ግብሪ ቃል ኣምላኽ ክውንነት ተስፋታት ምዃኑ” ኣርእያ እያ። መጎልበቢ ቨሮኒካ ገጽ ክርስቶስ ዝተሓተሞ - "ፍቕሪ ከም ሞት ሓያል እዩ" ዝብል ምስክር ዘቕርብ እዩ፣ ምኽንያቱ "ክሳብ መወዳእታ ትንፋስን ኪኖኡን ከፍቅረና ዝገበሮ ቆራጽነት ዘረጋግጽ ብምዃኑ"። ሕያዎት ኣንስቲ ዘኢየሩሳሌም፣ “ስሌአንን ስለ ደቀንን” ክንበኪ ይልምናና፡ ምኽንያቱ እቲ ዝቖሰለ ሓባራዊ ናብራናን ዝተሰብረ ዓለምናን፡ “ደጋዊ ዘይኮነስ ካብ ልቢ ዝወጽእ ንብዓት” የድልዮ” እንክብሉ የስተንትኑ።

የሱስ ካብቶም ተስፋ ዝገብሩ ሓደ እዩ

ኣብ ምዕራፍ 13 ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያ “ሕያዋይን ጻድቕን . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሃንቀውታ ዝጽበ” ሬሳ ኢየሱስ ይወስድ። ክርስቶስ “ኣብ ኢድ ተስፋ ዘለዎ ሰብ፣ ሓደ ካብቶም በደል ወትሩ ዝስዕር እዩ ቢሎም ኣብ ዘይሓስቡ፣” እዩ ዘሎ፣ “ዓቢ ሓላፍነታት” እናሃበና፣ ዘበርትዓናን እዩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ምዕራፍ 14 ናብ መዓልቲ እመ ጽሙረ የሰጋግረና፡ “ኣብቲ ክንጽበ ጥራይ እንሕተተሉ እዋናት ማርያም ከመይ ጌርና ብጽሞና ክንጽበይ ከምዘሎና ትምህረና፣ ምስ ወቕትታት ምድሪ ተሃዋስነት ክህልወና ዝምህር ኩነት እውን እዩ።” “ኣብ መቓብር ዝወረደ” ኢየሱስ ሰብኣዊ ኩነታትና ይካፈል፣ ናብቲ እንፈርሖ መዓሙቕ ይወርድ፣ ዕረፍቲ፣ ምጽባይን ንኹሉ ፍጥረት ንትንሳኤ ሰላም የዳሉን።

መደምደምታ ጸሎት
“‘Laudato sì - mi’ Signore - ምስጋና ንዓኻ - ኦ ጐይታይ’ ኣብ ዝብል መዝሙር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘውረድናዮ መጉዳእቲ ምኽንያት እትጭድር ሓፍትና መሬት - ’ ኣሕዋትን ኣሓትን ኩላትኩም ቅዱስ ጳውሎስ "ካብቲ ፍቕሪ "ክፈልየና" ዝኽእል ነገር ሓደ’ኳ የለን እንክብል ንዝጸሓፎ ፍቕሪ ንኽንርዳእ" ብዕምቆት ወንጌል ክንምልከት ቅዱንቶም ተላብዮም፣ ኣብ ፍኖተ መስቀል ተጓዒዝና ናብታ ዋላ ሓንቲ ኺፈልየና ዘይክእል ፍቕሪ ተመለስና። ሕጂ እቲ ንጉስ ደቂሱ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዓብዪ ስቕታ ኣብ ኾነሉ እዋን ብቓላት ቅዱስ ፍራንስኮ ዘኣሲዚ ኣቢልና ንህያብ ልባዊ ምልዋጥ ንጸሊ፤

"ኦ ልዑልን ክቡርን ኣምላኽ ኣብ ጸልማት ልበይ ብርሃንካ ኣፍስስ። ሓቀይና እምነትን ጽኑዕ ተስፋን ፍጹም ፍቕርን ዓሚቕ ትሕትናን ሃበኒ። ኦ ጎይታ ሓቀይናን ቅዱስን ፍቓድካ ምእንቲ ክገብር ጥበብን ምስትውዓልን ሃበኒ። ኣሜን!"

ብዝብል ጸሎት ቀዱስ ኣቦና ንፍኖተ መስቀል ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ይዛዝሙ።

19 Apr 2025, 17:17