MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርቢ ኤ ኦርቢ ንዅሉ ዓመጻ ማለት ካብ ጋዛ ኽሳዕ ሳሀል ኬቋርጽ ጸለየ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ትማሊ ኣብ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መወዳእታ መልእኽቶም ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ቀቅድሚ ዕረፍቶም፣ ነቲ ናይ በዓል ትንሳኤ “ንከተማን ንዓለምን ዝተሰምየ” ፍሉይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፣ ሎሚ ዕለት 21 ሚያዝያ 2025 ወጋሕታ ድማ ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ተሳጊሮም። ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ዓለምለኻዊ ምርጋፍ ኣጽዋር ንኽግበር ከምኡውን እሱራት ንኽፍትሑ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዘመነ ጵጵስናኦም ሰላም ንምስፋን ብምውፋይ ኢዮም ዝፍለጡ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ እውን ትማሊ ሰንበት ኣብ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ፍሉይ መልእኽቲ “ንከተማን ንዓለምን” ዝተሰምየ ናይ መወዳእታ ኣባታዊ ለበዋኦም ኢዩ ዝነበረ፣ ነዚ ቃላት እዚ ቅድሚ ዕረፍቶም ዘመሓላለፍዎ ከም ምዃኑ ዓቢይ ርዝነት ኣለዎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዘጋጠሞም ድርብ ነድሪ ሰናቡእን ረኽሲ ሥርዓተ ምስንትፋስ ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዕለት 21 ሚያዝያ ናብ ስማያዊ ቤት ኣቦ ተሳጊሮም ኣለዉ። ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ካብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ማእከላይ ሰገነት ኮይኖም፣ ነቶም ንበዓለ ትንሳኤ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ሰላምታ ድሕሪ ምልጋስ ነዚ ዝስዕብ ኣባታዊ ለበዋ ኣመሓላለፉሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዲየጎ ራቨሊ እቶም ናይ ጳጳሳዊ ሥርዓተ ኣምልኾታት መራሒ ዝኾኑ ነቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣንበቡሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ "ክርስቶስ ተንሲኡ ኢዩ" ኣብ ዝብል ኣዋጅ ትንሳኤ ተመርኺሶም ልቢ ዝትንክፍ ንዓለምና ድማ ግዜያዊ ዝኾነ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ንርፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም እምእመናን ናብቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ክጥምቱ ብምዕዳም "ክርስቶስ ተስፋና ተንሲኡ ኢዩ!" ብምባል መስከሩሎም ። ትንሳኤ ዘይጭበጥ ሓሳብ ዘይኰነስ ብድሆ ዜምጽእን ህይወት ዝህብን ሓይሊ ዝዕድልን ነባሪ ሓይሊ ኸም ዝዀነ ኣብ ምስትንታን ውን ቀጸሉ።

"ሎሚ እውን ንሱ እቲ ዝተንስአ ጐይታ፣ ንዅሉ እቲ ዚጭቍነናን ዘሎ እከይ ናብ ርእሱ ብምውሳድ ለዊጥዎ ኢዩ" በሉ።

"ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ፣ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፣ ሓቂ ኣብ ልዕሊ ሓሶት ተዓዊቱ ኣሎ። ይቕረ ምባል ኣብ ልዕሊ ሕነ ንምፍዳይ ተዓዊቱ እዩ" ውን በሉ። "እከይ ካብ ታሪኽ ወድሰብ ኣይጠፍአን፣ ክሳዕ መወዳእታ ውን ኽትጸንሕ እኢዩ፣ ግናኸ ደጊም ሓይሊ የብሉን፣ ደጊም ኣብ ልዕሊ እቶም ጸጋ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተቐበሉ ክርስቲያን ስልጣን የብሉን።"

እንተዀነ ግን እቲ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ እምነት ቃላት ጥራይ ዘይኮነስ ምእንቲ ሰብኣውነት ናብ ደቅሰባት ዘቕለብዎ ናይ መወዳዕታ ለበዋኦም ኢዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ገጾም ሓጐስ እኳ ይርአ እንተ ነበረ ብዙሕ ስቓይ ከም ዝንበሮም ውን ይፍለጡ ነበሩ።

ኣብታ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ኩነታት ሰላም

ፈለማ ብዛዕባ እታ "ብውግእ ዝቘሰለት" ቅድስቲ መሬት ከምኡውን ብዛዕባ እታ መንበሪ ናይቲ "መወዳእታ ዘይብሉ ዓመጻ" ኮይና ዘላ ተዛረቡ። ብፍላይ ምስ ህዝቢ ቃዛ ከምኡውን ምስቶም "እቲ ዘስካሕክሕ ግጭትን ሞትን ዕንወትን ዘስዕብ ዘሎ ከምኡውን ዘደንጹን ዘሕዝንን ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝስከም ዝተገብረ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ቅርበት ውን ገለጹ።

"ኣብ ገማግም ቃዛ ብህጹጽ ነቲ ውግእ ደው ንምባልን፣ ነቶም ጅሆ ተታሒሶም ዘለዉ ሰባት ናጻ ንምውጻእን እንደገና ይግባይ እብል ኣለኹ . . . ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት ንምርካብ ድማ ምሕጽንታኦም አቕርብ ኣሎኹ" በሊ። ቃላቶም እንደገና ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስጕምቲ ኽወስድ ከምኡውን "ናብቶም ንመጻኢ ሰላም ዝምነዪ ዘለው ብጥሜት ዝማህመኑ ሰባት ክረድእዎም" ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ጸሎት ነቶም ኣብ ሊባኖስን ሶርያን ዝነበሩ ክርስትያናት ውን ከምዚ ዝብል ነበረ "ሕጂ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ተኣፋፊ መሰጋገሪ ይርአ ኣሎ" ብምባል መላእ ቤተ-ክርስትያን ውን "ንፍቁራት ሕዝበ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሓሳባታን ጸሎታን ከተእትዎም" ተማሕጸኑ።

ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብድሕርዚ ናብ የመን ብምምላስ "ብሰንኪ ውግእ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸበደን ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ዝሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎም ኣሎ " ብምባል ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ዝለዉ ወገናት "ብሃናጺ ዝርርብ" መፍትሔ ክረኽቡ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምሕዋይ

ነታ "ብውግእ ዝዓነወት" ዩክረይን እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ውህበት ሰላም ክህባ ውን ተማህለሉ። ኵሎም ኣብዚ ግደ እዚ እቱዋት ይኹኑ "ሓቀይናን ነባርን ሰላም" ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕርታት ክቕጽሉ ምዃኖም ውን ገለጹ።

ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ውጥረት ህጹጽ ዕርቂ ዚሓትት ዘሎ ደቡብ ካውካሰስ እውን ተዛሪቦም። ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ናይ መወዳእታ ውዕል ሰላም ንኺገብሩን ኣብቲ ኸባቢ ሰላም ክሰፍንን ጸልዮም ።

ኣብ ምዕራባዊ ሃገራት ባልካን ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብርሃን በዓል ትንሳኤ ንመራሕቲ ውጥረት ንኼህድኡን ነቲ ምስ ጐረባብቶም ስኒት ዜምጽእ ስጕምቲ ንንኽወስዱ ኬለዓዕሎም ውን ጸልዮም።

ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዚግበር ምርጋፍ ኣጽዋርን ናጽነት ሃይማኖትን

ኣህጉር ኣፍሪቃ እውን ኣብቲ ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ትንሳኤ ዘዕረግዎ ጸሎት ኣዝያ ኣገዳሲት ኮይና ኢያ ተረኾባ ዝነበረት።

መጀመርታ ንህዝቢ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ደሓር ከኣ ንህዝቢ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከምኡውን ነቶም ብዓመጻ ሳህለ ሰሓራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሕዝብታት ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቕረበሎም። "ተኸላኻሊ ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ከምኡውን ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ሆስፒታላትን ከምኡውን ሰራሕተኛታት ግብረ-ሰናይ ዝጥቅዑሉ ዝለው ጭካነ ዝመልኦ ግጭታት እናሃለወ ኽነሱ ነፍሲ ወከፎም ንሰብኣዊ ሕይወትን ኽብርን ዘለዎም ሰባት ክጣበቑ ደኣ እምበር ንሰባት ከትቅዑ ከምዘይብሎም ውን ኣዘኻኸሩ።"

ብፍላይ ሕዝበ ክርስትያን ኣብዛ ኽፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ እምነቶም ብናጻ ኺነብሩ ስለ ዘይክእሉ ዘለዉ ውን ጸልዮም ። "ብዘይ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን፣ ናይ ምሕሳብ ናጽነትን፣ ንሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ከምኡውን ንኣረኣእያ ኻልኦት ኣኽብሮት ዘይምህላው ሰላም ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ" ውን በሉ። ብዘይ ሓወይና ምርጋፍ ኣጽዋር እውን ሰላም ክርከብ ከም ዘይከኣል ገለጹ ።

ነቲ ዚኸፋፍለና ዕንቅፋታት ነፍርሶ

ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብርሃን በዓል ትንሳኤ ነቲ ዚኸፋፍለና ዕንቅፋታት ንኸነፍርስ ይደፋፍኣና እዩ ዘሎ" ውን በሉ። እዚ ዕንቅፋታት እዚ ተግባራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ፖለቲካውን ቍጠባውን መንፈሳውን ዕንቅፋታት ውን እዩ ። ሃገራት ንሃብተን እንደገና ንውግእ ዘይኰነስ ንጥሜት ንምቅላስ ኣብ ዕቤት ንምውፋይ ከምኡውን "ንሓድሕደን ንምክንኻን" ክጥቀማሉ ጻውዒት ኣቕረቡለን።

ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ኣብ ዓለምና ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ነቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ፍርሂ ከስዕብ ዘይኰነስ ንሃብትና ናብቶም እተሸገሩ ንምሕጋዝ ኪጥቀሙሉ "ምስ ጥሜት ኪቃለሱን ዕቤትን ብልጽግናን ዜደንፍዕ ተበግሶታት ኬተባብዑን" ተማሕጸኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ 'ኣጽዋር' ሰላም እዩ፣ እዚ ኸኣ ዘርኢ ሞት ኣብ ክንዲ ዚዘርእ ንመጻኢ ዚሃንጽ ኣጽዋር እዩ" በሉ።

ተስፋ ንህዝቢ ምያንማር

ንርፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብሰንኪ ግጭት ዚሳቐዩ ዘለዉን፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሳጋንግ ዘጋጠመ ዕንወት ዜስዕበ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብምዝካር ንሕዝቢ ምያንማር ኣይረስዕዎምን ። ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዘኽታማት ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ኣረጋውያን ዝለዎም ዓሚቝ ጓሂ ገሊጹ። እንተዀነ ግን ነቲ ኣብታ ግጭት ዝመልኣ ሃገር ክመጽእ ዝርአ ዘሎ ተስፋ እውን ኣዘኻኸሩ - "እቲ ውግእ ደው ከም ዝብል ዝገልጽ ሃብሬታት ንብምልእታ ምያንማር ምልክት ተስፋ ኢዩ" ውን በሉ።

ምፍታሕ እሱራት

ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል በዓል ትንሳኤ ንእሱራት ውግእን ፖለቲካን ሓራ ንምውጻእ ብቑዕ ኣጋጣሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ናይ መወዳእታ ለበዋኦም ውን ኣካፈሉ።

ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "መሰረታዊ ስርዓት ደቅሰብ መለለዪ መዓልታዊ ተግባራትና ይኹን" ብምባል ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ተላበዉ "ንሞት ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጽምኢ ከም ዘሎና ኰን ኢና እንምስክር" ብምባል ውን ንዘሎ ኩነታት ገለጽዎ።

ኣብ መወዳእታ ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ በዓል ትንሳኤ እዚ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ "ንሕና እውን ኣብቲ ግጭት ኣጽዋርን ህውከት ሞትን ዘይምስምማዕን መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ክንካፈል ከም እተጸዋዕና ርግጸኛታት ከም እንኸውን ይገልጸልና ኣሎ" ብምባል ለበዋኦም ዛዘሙ።

21 Apr 2025, 16:14