ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ናብ በዓለ ፋሲካ ዘሰጋግር ቅዱስ ሰሙን ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ሚይዝያ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዋዜማ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ናብ በዓለ ፋሲካ ዘሰጋግር ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ንቕድስተ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ንኸወፍዩ ነጊዶም፣ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅዱስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ንቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዘለዎም ኣኽብሮትን ተወፋይነትን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ተፋንዮም ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ መንበሪኦም ምምላሶም ብብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ሓሊፎም ኣብ ፊት እቲ ባዚሊካ ንሓጺር እዋን ደው ኢሎም ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጎም፣ ንናይቲ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅድተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዝንበር ቅኑን ዕንባባ ከም ዘረከቡ የመላኽት።
ውፉይነት ቅዱስነቶም ንቕድቲ ማርያም ድሕነት ሮማውያን
ቅድስ ኣቦና ዕለት 12 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዘካየድዎ መንፈሳዊ ዑደት መበል 126 ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱሰነቶም ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ንጽብሒቱ ዕለት 14 መጋቢት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ነጊዶም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ መርያም ድሐንት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዝደገሙ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዚ ንቅድስቲ ድንግል መርያም ክብሪ ንምሃብ ዝዓለመ መንፈሳዊ ልምዲ ቅዱሰንቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻታቶም ቅድሚ ምንቃሎምን ኣብ ምምላሶምን ብዘይ ምቁራጽ ዘካይድዎ ከም ዝኾነ የመላኽት።