መንፈሳዊ ለበዋ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
Miserando atque Eligendo (ብምሕረት ስለ ዝጠመተኒ ሓረየኒ)
ብስም ቅድስቲ ሥላሴ አሜን!
ጽልግል ምድራዊ ህይወተይ እናቐረበ ይኸይድ ከም ዘሎ ይርድኣኒ ብምህላዉን፣ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ጽኑዕ ተስፋ ስለ ዘሎንን ፣ ብዛዕባ ቦታ ቐብረይ ጥራይ ናይ መወዳእታ ለበዋይ ከንብር እደሊ ኣሎኹ ።
ኣብ ምሉእ ህይወተይ ካህንን ኣቡን ኰይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን፣ ንህይወትይ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታና ንወትሩ ብሕድሪ ኣወፍየያ እየ ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ መዋቲ ስጋይ፣ ነታ መዓልቲ ትንሳኤ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ የዕሪፉ ክጽበያ እሓትት ኣሎኹ።
እቲ ናይ መወዳእታ ምድራዊ ጕዕዞይ ኣብዛ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ክዛዘም እደሊ ኣሎኹ፣ ኣብኡ ኸኣ ወትሩ ግዜ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓዋርያዊ ጕዕዞይ ምብጻሕ ብምክያድ እጽልን ብትብዓት ሓሳባተይ ናብታ ንጽሕቲ ኣደ ብሕድሪ የወፍዩ ነበርኩ፣ ስለቲ ሕያውነትን ኣደነታዊ ሓልዮታን ድማ አመስግና ነበርኩ።
ከምቲ ኣብቲ ምስ እዚ ለበዋ ተተሓሒዙ ዘሎ ንድፊ ተገሊጹ ዘሎ መቓብረይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ቤተ-መቕደስ ቅዱስ ጳውሎስን (ቤተ-መቅደስ አይቆና ድሕነት ሮማውያንን) ከምኡውን ቤተ-መቕደስ ስፎርዛን ዚርከብ መካነ መቓብር ኪዳለወለይ እሓትት አሎኹ።
እቲ መቓብር ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ኣለዎ፣ ፍራንቸስኮ [ዝብል ስመይ] ጥራይ እተጻሕፎን ዝኾነ ፍሉይ ስልማት ዘይብሉን ተራ መቓብር ክኸውን ኣለዎ ።
ነቲ ንቐብረይ ንምድላው ዝወጽእ ወጻኢታት ከአ በቲ ሓደ ገባር ሰናይ ዝህቦ ምጽዋት ክሽፈን ኢዩ፣ ነዚ ገንዘብ ድማ ናብቶም ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝርከቡ ጳጳስ እቲ ባዚሊካ ተመሓላሊፉ አሎ። ብዛዕባ እዚ ድማ ነቶም ሓላፊ ሽማግለ ባዚሊካ ሊይበርያ ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ ኣድላዪ መምርሒ ሂበዮም ኣሎኹ።
ጐይታ ንዅሎም እቶም ዘፍቅሩንን ምእንታይ ዝጽልዩን ብቑዕ ዓስቢ ይሃቦም። እቲ ኣብ መወዳእታ ኽፋል ህይወተይ ዘሕለፍክዎ ስቓይ ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክሰፍን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ከኣ ሕውነት ምእንቲ ኺምስረት ንጐይታ የወፍዮ ኣለኹ።
ቤተ አጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዕለት 29 ሰነ 2022
ፍራንቸስኮ