ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሳሌሳውያን ንመንእሰያት ብፍቕሪ ንክርስቶስ ክምህሩ ይግባእ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሳሊዚያውያን ልኡካነ ወንጌል፣ መስራቲኦም - ዶን ቦስኮ ናብ ኣርጀንቲና ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ዝለኣኸሉ መበል 150 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ዕለት 16 ለካቲት - 12 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ መበል 29 ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይዱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ዘለዎም ቅርበትን ድጋፍን ኣብ ዝገለጽሉ መልእኽቶም፣ ነቶም ሳሌሳውያን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ኣባላት ናይቲ ብቅዱስ ጆቫኒ ዶን ቦስኮ ዝተመስረተ ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት፣ መንእሰያት ክምህሩን መንእሰያት ርእሶም ዝኽእሉሉ ሕንጸት ኣብ ምቕራብን ኣበርክቶ ዝገብሩ ኣባላት ሕብረተሰብ ኮይኖን ንኽዓብዩ ዝሕግዞም ሞያታት ኣብ ምምሃ ዝተዋፈሩ ውፉያን፣ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዛዕባ ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዝከታትል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ንኽኾኑን ዝሸሙዎም ካርዲናል እንክብሉ ንዝሰመይዎም ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ንዝነበሩ ካርዲናል ኣንኸል ፈርናንደዝ ንኽትክኡ ዝተመርጹ ተወላዲ ማልታ ኣባ ፋብዮ ኣታርድ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ ሳሌሳውያን ንዝቕጽሉ ዓመታት ከሳልጥዎ ዝውጥንዎ መደብ ተልእኾ ኣብ ዝሕንጽጽሉ እዋን፣ ብመንፈስ ሲኖዳውነት ንቅዱስ መንፈስ ጽን ክብሉ ኣተባቢዖም፣ “ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃረርታ ዘለዎምን ንመንእሰያት ዝውፈዩን ሳሌሳውያን” ዝብል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 29 ሕፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል እውን ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"ብሓቂ ደስ ዘብል ጽቡቕ ዕላማ'ዩ . . . እዚ ዕላማ እዚ ልክዕ ከምቲ ናይ ማሕበርኩም መስራቲ ኣብ ግዚኡ ዝገበሮ፥ ‘ርህሩህን ውፉይን’ ምዃን፣ ንርእስኹም ብፍቕሪ ጐይታ ምሉእ ብምሉእ ክትማረኹን ንርእስኹም ዋላ ሓንቲ ከይዓቀብኩም ንኻልኦት ከተገልግሉን ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰብ ንውፉያን - ገዳማውያትን ገዳማውያንን ካብቲ ዝሓለፉ ወለዶታት ዘጋጥሞም ዝተፈልየ ብድሆታት ከምዘቕርብ ኣመልኪቶም፣ እምነትን ቈራጽነትን እቶም ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝነበረን ዘሎን እውን እንተኾነ፣ ብሓድሽ ህያባት እንኮላይ በቲ ካብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብ ዝርከብ ውህበት ድማ ብሉጽ እናኾነ ይቕጽል - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ሳሌሳውያን ኣብ ትምህርቲ ንዝሰርሕዎ ስራሕ ብምምስጋን ብጽንዓት ክቕጽሉ ድማ ኣተባቢዖም፣ “ንዓኹም ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓን ኣገልግሎትኩም ከምኡ እውን ኣብ መላእ ሓሙሽተ ኣህጉራት ንዝርከቡ ብጾትኩም ኣባላት ማሕበር ሳሌዛውያን ቡራኬይ አመሓላልፍ፣ ምእንታይ ክትጽልዩ ድማ ብታሕትና እልምነኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።