MAP

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርያት ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ግዒዙ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርያት ካብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ግዒዙ፣ ምእመናን ክሳብ ዕለት 26 ቀዳም ስነ ስረዓት ቀብሮም ዝፍጸም ክበጽሕዎምን ኣኽብሮቶምን ፍቕሮምን ንኽገልጹሎም ኣብኡ ከጸንሕ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርያት ካብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምግዓዝ ስነ ስርዓት ዕለት 23 ሚያዝያ ንግሆ ብጉባኤ ካርዲናላት ተመሪሑ ከም እተፈጸመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነቲ ስነ ስርዓት ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ብዝመርሕዎ ጸሎት ከም እተፈጸመን፣ ብጹዕነቶም ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ጸሎተ ፍትሓት ንናይ ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 12 ዓመት ኣገልግሎቶም ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኖም፣

“ንጐይታ ነኣገልጋሊኡ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎምን ዘለኣለማዊ ህይወት ክጽግዎምን ንጳጳሳዊ ስድራ ቤትን ቤተ ክርስቲያን ሮማን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናንን ብሰማያዊ ተስፋን ብምሕረቱን ብለውሃቱን ከጸናንዖም ንልምን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርያት ዝተነብሮ ሳጹን ብዝተፈላለዩ ብጉባኤ ካርዲናላትን ናይ ስዊዘርላንድ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታን ናይ ኩሪያ ሮማናን ቅድስቲ መንበርን ኣካላትን ተሰንዩ ኣብ ፊት መንበረ ታቦት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተነብረን፣ ኣብዚ ስነ ስርዓት እዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 20 ሽሕ ምመናን ተኣኪቦም ንነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣኽብሮቶምን ፍቕሮምን ከም ዝገለጹን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ቅርያት ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተነብሮ ሳንዱቕ ኣብ ፊት መንበረ ታቦት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተነብረ መዘምራን ሊጣንያ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብቛንቛ ላቲን ንነፍሶም ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ከም ዘዜሙን፣ ብድሕሪ’ዚ ብፁዕ ካርዲናል ፋረል ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ ፍትሓት፣ ካብ ወንጌል ዮሃንስ፣ “ኦ ኣቦይ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ስለ ዘፍቀርካኒ፣ እዞም ዝሃብካኒ ኸኣ ነቲ ዝሃብካኒ ክብሪ ምንቲ ክርእዩ፣ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ ንሳቶም እውን ኣብኡ ክህልዉ እደሊ ኣሎኹ፡ ኦ ጻድቕ ኣቦ! ዓለም ኣይፈለጠትካን፣ ኣነ ግን ፈሊጠካ ኣሎኹ። እታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባቶም ምንቲ ክትህሉ ኣነ እውን ኣብኣቶም ምንቲ ክነብር፣ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ፣ ከፍልጦም እውን እየ (17፡ 24 - 26) ዝብል ናይቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊኡን ንደቀ መዛሙርቱን ዘለዎ ፍቕሪ ዝእውጅ ናይ ክህነት ጸሎት ዘጠቓለለ ምስ ተነበበ እቲ ስርዓት ብመዝሙር ንግስተ ሰማይ ተዛዚሙ፣ ስዒቡ ድማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ በቢ ሓደ ኣብ ፊት ቅርያት ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተነብረሉ ሳንዱቕ ተረኺቦም ናይ መወዳእ ሰላምታ ከም ዘቕረቡሎምን እቲ ናይ ቅዱሰንቶም ቅርያት ዝተነብሮ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 26 ሚያዝያ ዕለተ ቀርቦም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምመናን ፍቕሮምን ናይ መወዳታ ሰላምታ ንኸቕርቡሎም ኣብኡ ከጸንሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Apr 2025, 16:00