ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዱስ ሓሙስ ንእሱራት ይበጽሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት፣ ሓሙስ ስነ ስርዓት ሕጽበተ እግር ንምፍጻም ናብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብምቕጻል፣ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ስነ ስርዓት ናይ መወዳእታ ድራርን ምሕጻብ ሕጽበተ እግሪን ክፍጽሙ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፣ ንሱራት ሰላምታኦም ንምቕራብን ዘተባብዕ ቃሎም ንምልጋስን ንነፍሲ ወከፍ እሱራት ቅዱስ መቖጸርያ ገጸ በረኸት ንምቕራብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሊ ዑደት ከም ዝፈጸሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱሰነቶም ነቶም እሱራት፥ "ከም የሱስ ኣእጋር ንምሕጻብ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ጸሎተ ሓሙስ ናብ ቤት ማሕቡስ ምኻድ ኵሉ ሳዕ ኣዚዩ ባህ ዘብለኒ ዑደት እዩ - ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብዘለኒ ጒድለት ጥዕና ክፍጽሞ እውን ዘይከኣለኒ ይኹን ቅርበተይ ከረጋግጸሎም እደሊ . . . ምእንታኹምን ምእንቲ ስድራ ቤትኩምን ድማ እጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ትራስተቨረ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ቤት ማሕቡስ ‘ረጂና ቸሊ’፣ ኣስታት 70 ዝኾኑ ዝተፈላለየ ዕድመን ብሄርን ዘለዎም እሱራት ንቅዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎምን፣ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ተኣኪቦም ዝነበሩ፣ ከምኡ’ውን ካብቶም ብላዕለዋይ መስኮት ናይቲ ቤት ማሕቡስ ዝዕዘቡ ዝነበሩ እሱራት ብጣቕዒትን ብታሕጓስን ከም እተቐበልዎምን እቶም እሱራት “ናጽነት ናጽነት!” እንክብሉ ብዓውታ ኣናድመጹ “ምእንታና ጸልዩ!”፡ “ምእንቲ ፍልስጤም እውን ጸልዩ። ኣብ ጎንኹም ኢና!” ክም ዝበሉን፣ ቅዱስነቶም ካብቲ ቤት ማሕቡስ ቅድሚ ምፍናዎም ድማ “ሓደራ ኣብ ጸሎትኩም ተዘከሩኒ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ንኣባላት ሰራሕተይናታት ቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሎ ሰላምታ ኣቕሪቦም ኣብ ውሽጢ ቤት ማሕቡስ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ከም ዝጸንሑን፣ ነቶም እሱራት ድማ ቅዱስ መቝጸርያን ኣብ ጁባ ዝተሓዝ ንእሽቶ ቅዳሕ ወንጌልን ከም ዝዓደለዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣስዒቡ፣ ካብቶም እሱራት ገሊኦም ቀሪቦም ታሪኾምን ብዛዕባ ስድራ ቤቶምን ከም ዘካፈልዎምን እቶም እሱራት ድማ “ንኽትበጽሑና ጸሊና ጸሎትና ድማ ተሰሚዑ” ዝብል ምስክርነት ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ።
ትውፊት ህላወ ጉስነት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ደሓር እውን ካብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት - ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ሕጽበተ እግር ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ከም ዝፍጽሙን ለምዘበን እውን ዘለዎም ጉድለት ጥዕና ዘየፍቅደሎም እንተኾነ፣ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ናብ ቤት ማሕቡስ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ምፍጻም ኣይተቖጠቡን፣ ቅዱስነቶም ካብ ቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሊ ምስ ተፋነው ነቶም ኣብቲ ኣፈት ቤት ማሕቡስ ዝነበሩ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ብሕጽር ዝበለ፣ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን፣ ንነብሰይ ኣብቲ ቦታ ኣነ ዘይኮንኩስ ስለምንታይ ንሳቶም? ቢለ እሓትት” እንክብሉ ገሊጾም፣ እቶም ጋዜጠይናታት ድማ በዓለ ፋሲካ ብኸመይ ከተሕልፍዎ ኢኹም ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡሎም ድማ ቅዱነቶም “ብዝተኻእለኒ መጠን” እንክብሉ ከም ዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።
ናይ ቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሊ ቤተ ጸሎት ሓላፊ ካህን
ኣብ ረጂና ቸሊ ናይ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሓላፊ ኣባ ቪቶርዮ ትራኒ ብዛዕባ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ኣመልኪቶም ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝፈጸምዎ ምብጻሕ “ብሓቂ ሓያል ምልክት እዩ፣ እዚ ምልክት እዚ፣ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት ዝቖመ ክውንነት ሓልዮት ዘረጋግጽ እዩ፣ ማእሰርቲ ነቶም እሱራት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብዚ ዝሰርሑን ናይ ምሕደራ ሓላፍነት ዝስከሙን እውን ዝጸልው እዩ። ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓል ትንሳኤ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሻቕሎት ብጭቡጥ መገዲ ኸይገለጸዎ ክሓልፍ ኣይደልዩን እዮም” ይብሉ።