MAP

ቅርያት ነፍስ ኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ተቐቢሩ

ትማሊ ቀዳም ዕለተ 26 ሚያዝያ ደድሕሪ እቲ እተገብረሎም ሥርዓተ-ቀብሪ ሬሳ ነፍስ ኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብማእከል ከተማ ሮማ ኣቢሉ ብምሕላፍ፣ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ተወስደ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ኣይቆማ ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ተቐብረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ምዕሩግን ብዝሕ ኣክብሮትን ፍቕርን ዘጸባረቐ ኣብ ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ሬሳ ነፍስ-ኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብማዕከል እታ ጥንታዊት መዲና ክርስትና ዝኾነት ከተማ ሓሊፉ ናብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ማለት ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ገጹ ናይ መወዳእታ ጕዕዞኡ ፈጸመ።

ልዕሊ 150,000 ዝዀኑ ሰባት ነዚ ናመወዳእታ ፈነወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምስናይ ኣብ ጐደናታት ሮሜ ደው ኢሎም ብዓቢይ ሓዘንን ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣፋነውዎም። ቅርያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ዝሓለፈ ሰምበት ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናን ወላ እኳ እንተ ዘይፈልጡ እቲ ናይ መወዳእታ ሰላምቶምን ቡራኬኦምን ከካፍሉ እተጠቅሙላ ፖፕ-ሞባይል ተባሂላ እትፍለጥ መኪናኦም ኢዮ ቅርያቶም ውን ናብ መቓብሮም ዝግዓዘ።

እቲ ትማሊ ቀዳም እተኻየደ ሥርዓተ ዑደት ንምግዓዝ ቅርያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብቲ ኣብ ፒያሳ ቨኔስያ ዝርከብ ሓወልቲ ሰማዕታት ወተሃደራት ኢጣልያ ኣቢሉ፣ በቲ ጥንታዊ ዑናታት ከተማ ሮሜ ሓለፈ ።

እቶም ደኺመ ኸይበሉ ንሰላም ዝተጣበቝ ዝነበሩ፣ ሕጂ ግን ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ድማ በቲ ናይ ጥንቲ ናይ ሮማ መጋባእያ ኮለስዩም ተባሂሉ ዝፍለት ምልክት ከተማ ሮማ ዝኾነ ህንጻ ሓለፉ።

ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ድማ በጽሑ፣ ኣብኡ ድማ ሳጹኑ ሬሳ ቅዱስነቶም ናብቶም ኣባኡ ዝነበሩ ምእመናን ተመሊሱ ንሕዝቢ ናይ መወዳእታ ግዜ ተሰናበቶም።

ኣብ ውሽጢ ባዚሊካ ቅድስተ ማርይም ዓቢይ ድማ እቶም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቤተ ጸሎት ፖውሊን ቅድሚ ምእታዎም ንገለ ደቓይቕ ሳጹን ሬሶም ኣብ ቅድሚ እታ ፍሉይ መንፈሳውነት ዝነበሮም ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ጸንሐ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ናብቲ ንቀብሮም እተሰናደወ ጥቓኡ ዝርከብ ቦታ ዕረፍቶም ኣተወ።

ሰዓት 1፡30 ድሕሪ ቐትሪ ሥርዓተ ግብኣተ መሬት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተፈጸመ።

እቲ ኣባኡ እተኻየደ ሥርዓተ ግብኣተ መሬት ድማ ብመሰረት እቲ  ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ዝመርሕዎ ዝንበሩ መጽሓፈ ሥርዓተ ቀብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዝዞ ሥርዓት ተዛዘመ።

ሥርዓተ ግብኣተ መሬት ቀብሪ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
27 Apr 2025, 17:41