ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰንበት ዘሆሳዕና ንነጋድያን ሰላምታ ኣቕሪቦም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ እቲ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ብስሞም ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ማንም ከይተጸበዮ ብሃንደበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ብኣካል ንኹሉ "ብሩኽ በዓለ ሆሳዕናን ቅድስ ሰሙነ ሕማማትን” ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹሎም ነቶም ንበዓለ ሆሳእና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓበሩ፥ “ብሩኽ በዓለ ሆሳዕናን ዘተባረኸን ቅዱስ ሰሙነ ሕማማትን" ተመንዮም፣ ንምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣትዮም ኣብ ፊት ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ሓዋርያዊ ጴጥሮስን ቅዱስ ፒዮስ መበል ዓስራይን ከምኡ እውን ኣብ እቲ ንበነዲክቶስ መበል 15ን ዝተወፈየ ሓወልቲ ፊት ተረኺቦም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
14 Apr 2025, 17:43