ር. ሊ. ጳ. ብሃንደበት ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወጺኦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምርካብ ኣብ መደብ ዝጸንሐ ወግዓዊ መደብ ኣይነበረን፣ ይኹን እምበር ኣብ መወዳዕታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ኢዮቤል ሕሙማትን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ቅዱስነቶም፣ ሰብ ከይተጸበዮም ብሃንደበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኽቡ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብመንጐ እቶም ንመስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኣከቡ ጉባኤ ኣቢሎም ብምሕላፍ፣ ናብቲ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊዞኬላ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉሉ ዝነበሩ መንበረ ታቦት በጽሑ።
ብድሕርዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ቡራኬ ብምስታፍ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያን "ንኹልኹም ብሩኽ ሰንበት ይግባረልኩም። ንዅላትኩም ውን አመስግነኩም!!" ድሕሪ ቢሎም ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ መንበሪ ገዝኦም ቅድስቲ ማርታ ተመልሱ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብ ሆስፒታል ጅመሊ ኺወጹ ከለዉ ዝነበሮም ንስርዓተ ምስትንፋስ ዝሕግዞም ናይ ኦክስጅን ካኑላ ለቢሶም ነበሩ ።
እቶም ኣባኡ ዝነበሩ ነጋድያን ድማ ብውዕዉዕ ስምዒትን ሓጐስን ጣቕዒትን ተቐበልዎም፣ ከምኡ ውን ብብዙሕ ጭድርታን ሰናይ ምንዮትን የስምዑ ነበሩ።
ምሉእ ስርየት ሓጢኣት
ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመነን ሰላምታ ምስጋና ቅድሚ ምቕራቦምም፣ "ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣትዮም ምስጢረ ንስሓ ድሕሪ ምቕባል ግላዊ ጸሎት ኣዕሪጐም፣ ከምኡ ውን በቲ ቅዱስ ኣፍደገ ኣቢሎም ሓሊፎም።”
ከምዚ ኺበሃል ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ኢዮቤል ሕሙማንን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ምሉእ ስሬት ሓጢኣት ንምርካብ ናብ ሃገረ ቫቲካን ንግደት ምስ ዝፈጸሙ ብምትሕባር፣ ቅዱስነቶም ውን ምሉእ ስሬት ሓጢኣት ንምርካብ እቲ ዘድሊ ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ኢዩ ዘመልክት።
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 4 ሚያዝያ ዝወጸ መግለጺ ውን ከም ዘመልክቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕናኦም በብቝሩብ ይመሓየሽ ከም ዘሎን፣ ንቅዱስ ኣቦና ድማ ከም ዘሐጐሶም ዝፍለጥ ኢዩ ።