ቅርያት ር.ሊ.ጳ. ክሳዕ ቀዳም ንግሆ ሥርዓተ ቀብሪ ዝፍጸመሎም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክጸንሕ ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ዘሎ ቅዳሴ ቀዳም ዕለት 26 ሚያዝያ 2025 ክዕ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ክካየድ ምዃኑ ሎሚ ሰሉስ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ የመላኽት።
ኣፈ ጉባኤ ካርዲናላት ዝዀኑ ብፁእ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብቲ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣበው ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ከምኡውን ካህናትን ዝሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም።
እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ብናይ መወዳእታ ደብስን ናይ መወዳእታ ምፍናውን ክዛዘም እዩ ፣ እዚ ኸኣ በዚ ከምዚ ድማ እቲ ንትሽዓተ መዓልታት ዝቕጽል ግዜ ሓዘን ቤተክርስቲያን ከም ዝጀመረ ዚሕብር ፍጻሜ ክኸውን እዩ ፣ በዚ ከምዚ ድማ ነፍስ ወከፍ መልዓቲ ዝቕጽል ንትሽዓተ መዓልቲ ምእንቲ ነፍሲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝዓርገሉ ግዜ ሕዘንን ጸሎት ዘመልክት ክኸውን እዩ።
ብድሕርዚ ሬሳ ናይቲ ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቀጺሉ ድማ ንግብዓተ መሬት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ክግዕዝ ኢዩ ።
ኣቐድም ኣቢሉ ግን ካብ ጽባሕ ረቡዕ ሬሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓዘ ሳጹን በጻሕቲ ምእመናን ኣኽብሮቶምን ፍቕሮምን ምእንቲ ኽገልጹ ካብ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ማርያን ናብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክውሰድ ኢዩ።
እቲም ዓቃቤ መንበት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ነቲ ዕለት 23 ሚያዝያ ዝካየድ ሥርዓታት ክመርሑ ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ሰዓት 9፡00 ቅ. ቀ. ክካየድ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ድሕርዚ እቲ ሥርዓተ ዑደት ምስግጋር ሬሳ ቅዱስነቶም ናብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምውጻእ በቲ ማእከላይ ማዕጾ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ክኣቱ ኢዩ።
እቲም ካርዲናል ዓቃቤ ቅድስት መንበር ኣብ ቅድስሚ እቲ ማእከላይ ጳጳሳዊ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ነሥርዓታት ክመርሕዎ ኢዮም፣ ኣብ መደምደምታ ኸኣ ናብ ቅርያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝግበር ምብጻሕ ኪዛዘም እዩ።