ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሰኑይ ኣብ መበል 88 ዕድሚኦም ኣብ በዓል ትንሳኤ ዓሪፎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሎሚ ሰኑይ ልክዕ ሰዓት 9፡45 ቅ. ቀ. ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ቤተ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝዓረፉ በዚ ዝስዕብ ቃላት መርድእ ዜና ዕረፍቲ ቅዱስነቶም ኣውጽኡ -
"ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዓሚቝ ጓህን ሓዘንን ዕረብፍቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክነግረኩም እደሊ። ሎሚ ንግሆ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 7፡35 ቅ.ቀ. ጳጳስ ናይ መንበረ ሮማ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ቤት ኣቦ ተመሊሶም ኣለዉ። ምሉእ ህይወቶም ንጐይታን ንቤተ-ክርስትያኑን ዝወፈዩ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም ዝነበሩ። ነቲ ብወንጌል ዝተነግረና ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብተኣማንነትን ንትብዓትን ከምኡውን ንዅሉ ፍጥረት ዘበለ ኩሉ ብምፍቃር ክንነብር ዝመሃሩና ኣቦና ኢዮም፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም መሳኪንን እተገለሉን ሰባት ኣሚቝ ተገዳስነት ውን ነበሮም ። ነቲ ኸም ሓቀይና ወደ መዝሙር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጠን ዝገደፉልና ኣብነት ዓብዪ ምስጋና ስለ ዘሎና፣ ንነፍሲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስለቲ ሓደን ሰለስተን ኣምላኽ ዘርኣይዎ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረትን ፍቕርን ነመስግኖም ኣሎና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንእተወሰነ መዓልትታት ብሕማም ሮንካይትስ ድሕሪ ምስቓዮም ዓርቢ 14 ለካቲት 2025 ናብ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ሮማ ኣተዉ ።
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሕክምናዊ ዅነታት በብቝሩብ እናገደደ ብምኻዱ ሓካይም ሰሉስ ዕለት 18 ለካቲት ድርብ ነድሪ ሳምቡእ ከም ዘለዎም ኣረጋገጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርንቸስኮ ን38 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ትዕናኦም ምምሕያሽ ስለዘርኣየ ምእንቲ ክሓውዩ ናብቲ ኣብ ሃገረ ሮማ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ቅድስቲ ማርታ ተመልሱ ።
ብ1957 ጆርጅ ማሪዮ በርጎልዮ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኦም ነቲ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ሥርዓተ ምስትንፋስ እተተንከፈ ኽፋል ሳናቡኦም ንምውጋድ ኣብ ዓዶም ኣርጀንቲና መጥባሕቲ ተገብረሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕድመ እናደፋኡ ኣብ ዝኸዱሉ ብተደጋጋሚ ናይ ሥርዓተ ምስትንፋስ ሕማም የጋጥሞ ነበረ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብሰንኪ ኢንፍሉወንዛን ነድሪ ሳንቡእን ነቲ ኣብ ሕዳር 2023 ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ክገብርዎ ዝሓሰቡ ምብጻሕ ሰረዝዎ።
ኣብ ሚያዝያ 2024 ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዘሐደስዎ መጽሓፍ ሥርዓተ ቐብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጽደቐዎ።
እቲ ኻልኣይ ሕታም መጽሓፍ ሥርዓተ ቐብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተፈላለየ ሓደስቲ ሥርዓታት የቕርብ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ሬሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ሞቶም ብኸመይ ከም ዝዕቀብ ዚገልጽ እዩ ።
ድሕሪ ሞቶም ኣብ ክንዲ ኣብታ ዝሞተላ ኽፍሊ መንበሪ ገዝኦም፣ ሬሶም ኣብ ቤት ጸሎት እዩ ዝንበር፣ ብድሕሪ እዚ ድማ ብኡንብኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳጹን የንብርዎ ።
ብመሰረት እቲ ሊቀ-ጳጳሳት ዲየጎ ራቨሊ መራሒ ሓዋርያዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝሃብዎ መግለሲ፣ ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ሓዲስ መጽሓፍ ሥርዓተ ቐብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክፍጸም ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሥርዓተ ቀብሮም ነቲ እምነት ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ዘተኰረ ክኸውን ከም ምዃኑ ሓቢሮም።
ሊቀ-ጳጳሳት ራቨሊ "እቲ መጽሓፍ ሥርዓተ ቐብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሥርዓተ ቀብሪ ናይ ሓደ ጓሳ ነፍሳትን ወደ መዝሙርን ክርስቶስ ደኣ እምበር ናይ ዛ ዓለም ሓያል ሰብ ከም ዘይኰነ ብዝያዳ ዘጕልሕ ክኸውን ኢዩ" በሉ።