MAP

2025.04.27 Papa Francesco messaggio ai giovani 2025.04.27 Papa Francesco messaggio ai giovani 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቐዲሞም ንመንእሰያት ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ

ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ፣ እቶም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀቅድሚ ናብ ሆስፒታል ጀመሊ ምእታዎም፣ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሞም ንመንእሰያት ኣብ ከመሓላልፍዎ ዘሰናደዉዎ ናይ ዚድዮ መልእኽቲ፣ መንእሰያት ካልኦት ክዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ኣድላዪ ምዃኑ ዘዘኻኽር ኣባታዊ ምኽሪ ኣመሓላሊፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ብዕለት 8 ጥሪ ብዚድዮ ዘሰናደውዎ መልእኽቲ፣ ግን ከኣ ዘይተዘርግሐ፣ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ናብቶም ኣብ  "ናይ ምስማዕ ዓውደመጽናዕቲ" ዝተሳተፉ መንእሰያት ነዚ መልእኽቲ እዚ ከመሓላልፉ ቀሪቦሞ ነብሩ።

እዚ ተበግሶ እዚ ብሉካ ድሩሽያን ኣብ ኢጣልያ እተመስረተን፣ ንመንእሰያትን ንዓበይትን ከኣ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ንኽመያየጡን፣ ነቲ ኣብ ምስማዕን ጽን ምብህሃልን ዘሎ ጽባቐ ንምምርማር ተስፋ ዝገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ ዝነበረ።

እዛ ብቅዱስነቶም እተሰናደወት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ እዚኣ ከአ፣ ትማሊ ሰንበት ካብቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሥርዓተ ቀብሪ እተፈጸመሉ ዕለት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ጸኒሓ፣ በታ ኦጊ እተሰምየት ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ሰሙናዊት መጽሔት (እን͍ሊNJ) ኢያ ተዘርጊሓ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ መንበሪ ገዝዝኦም እተወስደት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ንመንእሰያት ወትሩ "ንኣቦሓጎኹምን እኖሓጎኹምን ጽን ኢልኩም ስምዕዎም፣ ንሳቶም ብዙሕ ኢዮም ዝምህሩና" ብምባል ምሕጽንታ የቕርቡሎም።

ነፍስ-ኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ፍቑራት ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት፣ ጽን ኢልካ ምስማዕ እዩ" ይብሉ። "ሓደ ሰብ ኪዛረበካ ኸሎ ብሓቂ ምእንቲ ኽትርድኦ፣ ክሳዕ ዚውድእ ተጸበዮ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ጽቡቕ ጌርካ ክትርድኦ ኢኻ፣ ከምቲ ዝብሎ ዘሎ እንተ ተስሚኡካ ከአ ምላሽ ክትህበሉ ትኽእል። እንተ ኾነ ግን እቲ ኣገዳሲ ነገር ጽን ኢልካ ምስማዕ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ከም ዘመልከትዎ ብዙሓት ሰባት ማዕረ ማዕረ እቲ ሰብ ዚዛረቦም ዘሎ ሰብ እና ተዛረበ ኸሎ ምላሽ ከሰናድዉ ስለዝሓስቡ፣ እቲ ካልኦት ሰባ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ብሓቂ ኺሰምዑ ኸም ዘይክእሉ ገለጹ ።

"ንሰባት ኣስተውዒልኩም ርኣይዎም፣ ሰባት ኣይሰምዑን እዮም ዘለዉ" ውን በሉ። "ጌና እቲ ዝዛረብ ዘሎ ከይወድአ ኮሊፎም መልሲ ኽህቡ ኢዮም ዝደልዩ፣ እዚ ኸኣ ንሰላም ኣይሕግዝን ኢዩ። በጃኹም ጽን ኢልኩም ስምዑ።"

በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘሰናደውዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣጕባዝ ንኢዮቤል ተስፋ ንምኽባር ኣብ ከተማ ሮማ ምስ ተረኽቡ ድማ፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ተዘርግሐ።

ኣስታት 200,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሸኮ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምክፋል ውን ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መጹ።

ኣብዛ ሰንበት ዳግማይ ትንሳኤን መለኮታዊ ምሕረትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እኳ እንተ ዘይነበሩ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ንመንእሰያት እዚ ፍሉይ ንግደቶም ንመላእ ዓለም ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ምእንቲ ክኸውን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምሕረት ደጋጊሞም ዝምሃርዎ ትምህርቲ ሃንጎፋይ ኢሎም ክቕበልዎ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

28 Apr 2025, 16:34