MAP

2025.04.21 Bandiere a lutto

ር. ሊ. ጳ. ብሰንኪ ወቕዒ ዙረት ደምን፣ ዘይምለስ ድኻም ልብን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ

ኣመሓዳሪ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ሃገረ ቫቲካን ዶ/ር ኣንድረያ ኣርካንጀሊ ብዛዕባ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወግዓዊ መግለጺ ሕክምናዊ ጸብጻብ ኣውጽአ፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ብሕክምናዊ መሳርሒ መርመራ ልቢ እተረጋገጸ ምዃኑ ውን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ምኽንያት ሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወቕዒ ዙረት ደም ስለዘጋጠሞምን፣ ስዒቡ ድማ ሃለዋቶም ብምጥፍኦም ክምለስ ዘይከአል ከቢድ ድኻም ልቢ ከም ዘስዓቦ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ሃገረ ቫቲካን ዝዀነ ዶ/ር ኣንድርያ ኣርካንጀሊ ወግዓዊ ምስክት ወረቐት ሕክምና ብምውጻእ፣ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ትማሊ ሰኑይ ምሸት ነዚ ጸብጻብ እዚ ኣመሓላሊፉ ።

ብመሰረት እቲ ናይ ሕክምና ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቐዲሞም ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናው ጸጋማት ድርብ ነድሪ ሳነቡእን ተኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ዘስዓበሎም ልዑል ጸቕጢ ደም ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያን ሥርዓተ ምስትንፋስ ድማ ከቢድ ድኽመት ከም ዘውረደሎም ዝፍለጥ ኢዩ።

ዕተፍቶም ድማ ብሕክምናዊ መርመራ ድሕቲ ምርግጋጹ ዶ/ር ኣርካንጀሊ "ጠንቂ ሞቶም ክሳዕ እቲ ኣነ ዝፈልጦን ዝፈርዶን ነገራት ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ምዃኑ እየ ዝምስክር" ክብል ጸሓፈ ።

22 Apr 2025, 16:31