MAP

ብፁዕ ካርዲናል ፋረል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝዓረፉ ወግዓዊ ሥነ-ስርዓ ፈጺሞም

ብፀዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ዓቃቤ ቅድስት መንበር ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ነቲ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ኣብ ቤት ጸሎት ቤተ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ እተኻየደ ሥነ ስርዓተ ምርግጋጽ ዕረፍቲ ቅዱስነቶምን ሥርዓት ምንባር ዓስከሬኖም ኣብ ሳጹንን መሪሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰኑይ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ናይ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ዓቃቤ መንበር ዓስከሬን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሳጹን ናይ ምንባርን ናብ ቤተጸሎት ናይ ምስግጋርን ሥርዓት መሪሖም።

እዚ ሥርዓት እዚ ኣብ ቤት ጸሎት ናይቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ቤት ኣካይሽ ቅድስቲ ማርራ ኢዩ ተኻይዱ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ሥርዓት እቲ እተሳተፉ ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፈ-ጉባኤ ብፁእ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ፣ ኣባላት ስድራቤት ነፍስሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ዶ/ር ኣንድርያ ኣርካንጀሊን ምክትል ኣመሓዳሪ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ሃገረ ቫቲካን ዝኾኑ ዶ/ር ሉዊጂ ካርቦነን ኢዮም ዝነበሩ።

ደድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ሥነ ስርዓት ዳይረክተር ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ሃገረ ቫቲካን ዝዀነ ዶ/ር ኣንድርያ ኣርካንጀሊ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዘጋጠሞም ወቕዒ ዙረት ደም መለሳ ዘይብሉ ከቢድ ድኻም ልቢ ከም ዘስዓበሎም ብምርግጋጽ በዚ ምኽንያት እዚ ከም ዝዓረፉ ኣረጋገጸ።

ብመሰረት እቲ ናይ ሕክምና ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቐዲሞም ብሰንኪ እቲ አጋጢምዎም ዝነበረ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋን ነድሪ ሳምቡእ፣ ልዑል ጸቕጢ ደም ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያን ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋሶም ከቢድ ድኽመት ኣጋጢምዎም ከም ዝነበረ ውን የመላኽት።

22 Apr 2025, 16:35