ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሮማ ኣቢይ ራባይ ዲ ሰኚ ንበዓለ ፋሲካ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ ይለዋወ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንዓቢይ ራባይ ሪካርዶ ዲ ሴኚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ሮማ፣ ነቲ መበል 5785 ፋሲካ ኣይሁድ - ፐሳኽ ንምብዓል ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፣ ዕለት 17 ሚያዝያ ኣብ ዘመሓለፉሎም መልእኽቲ፣ ንሊቀ ራባይ ሮማ ሪካርዲ ዲ ሰኚ፣ “በዓለ ፐሳኽ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ንዓኹምን ንፍቑር ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሮሜን ምዉቕን ሕውነታውን ሰላምታይ ከቕርብ እደሊ። እዚ በዓል እዚ ልዑል እግዚኣብሔር ከመይ ጌሩ ነቲ ዝፈትዎ ህዝቡ ካብ ጊልያነት ከም ዘናገፈን ናብታ ምድሪ ተስፋ ከም ዝመረሖምን ዘዘኻኽር እዩ። ዘለኣለማውን መሓርን እግዚኣብሔር ሎሚ እውን እንተኾነ ምሳኹም ይኹን፣ ጎይታ ንማሕበረሰብኩምን ንዓኹምን ብብዝሒ በረኸቱ የሰንይ፣ በቲ ደረት ኣልቦ ሰናይነቱ ወትሩ ይሓልው” ምስ በሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ “ኣብ ጸሎት ንዘኻኸር፡ ልዑል ኣምላኽ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕርክነትና የደልድል” ክንዓቢ ይፍቀደልና፣ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዓቢይ ራባይ ዲ ሰኚ እውን ብወገኖም፣ ፣ "ብዛዕባ ጥዕናኹም እናሓሰብኩ ክትሓውዩ ኣናተመኹ ሰላምታይ አቕርብ፣ ኣብዚ ናይ ነፍሲ ወከፍና በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝጋጠመሉ ዘሎ ዓመት፣ ንበዓለ ፋሲካ ማሕበረሰብ ክርስትያን ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ። ዋላ ኣብዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽንኩር እዋን፣ ጎይታ ንማሕበረሰባትና ይባርኽ ምሕዝነትና ድማ የደልድል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።