MAP

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ብሪጣንያ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከም ተራኸቡን፣ ቅዱስነቶም ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ንዘብዕልዎ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት መርዓኦም ሰናይ ትምኒቶም ከም ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ መበል 20 ዓመት መርዓኦምን ንኣርባዕተ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ኣቦ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ፊሊፕ በዓል ኤዲንበርግን ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ዝኽሪ ንንጉስ ቻርለስን ንንግስቲ ካሚላን ዕለት 9 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብብሕቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ካብ ዝወጹ ኣብዚ ንፈለማ ግዜ ዘካየድዎ ወግዓዊ ርክብ፣ ንንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ኣብዚ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት መርዓዖም ኣብ ዘብዕልሉ ዘለውሉ እዋን ሰናይ ምንዮቶም ከም ዝገለጹሎምን ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ድማ ብወገኖም ንቕዱስነቶም ቅሉጡፍ ምሕዋይ ከም እተመነዩ ኣፍሊጡ።

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ኣብ ሮማ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ምስ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ሰርጅዮ ማታሬላን መራሒት መግንስቲ ኢጣልያ ጆርጃ ሜሎኒን ከም እተራኸቡን ንግስ ቻርለስ ሳልሳይ ዕለት 9 ሚያዝያ ምሸት ኣብ ህንጻ ሞንተቺቶርዮ ንህዝባዊ ባይቶ ኢጣሊያ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

10 Apr 2025, 17:07