MAP

ሓድሽ ሽመት ሓድሽ ሽመት  (ANSA)

ሓድሽ ሽመት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፣ ኣደ መንበር ቀዋሚ ሽማግለ ሓለዋ ታሪኻውን ስነ ጥበባውን ሓወልትታት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ኢጣልያ ስርዓተ ሓይሊ ምክልኻል ዝመርሑ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳትን ሓዊሱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ዝሃብሉ ሓደሽ ሓላፍነት ከም እተዋህበ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብፍላይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ጎርጎርያና መንበረ ጥበብ ክፍሊ ስነ መጽናዕቲ ታሪኽን ባህላዊ ውርሻን ቤተ ክርስቲያን በጻሒት መምህር ዶክተር ኤልቪራ ካያኖ፣ ሓዳስ ኣደ መንበር ቀዋሚ ሽማግለ ሓለዋ ታሪኻውን ስነ ጥበባውን ሓወልትታት ቅድስቲ መንበር እንክብሉ ከም ዝሸመይዋ ኣፍሊጡ።

ሽማግለ ሓለዋ ታሪኻውን ስነ ጥበባውን ሓወልትታት ቅድስቲ መንበር

ዕለት 29 ግንቦት 1955 ዓ.ም. ኣብ ፓርማ ዝተወልደት ዶክተር ኤልቪራ ካያኖ፣ ብስነ ህንጻ፡ ስነ ታሪኽ፡ ስእልን ምሕዳስ ስነ ህንጻን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ሊቕነት ዘመስከረት ከም ዝኾነትን

ኣብ ኡምብሪያ ኣብ ስነ - ጥንቲ፣ ስነ - ጥበብን ምክትታል መልክዓ-ምድርን መሪሕ ተራ ዝተጻወተት ክኢላ፣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ጎርጎርያና መንበረ ጥበብ ክልሰ - ሓሳብ ምሕዳስን ዕቃበን ጥንታዊ ሃብቲ ስነ ጥበብ ዝምህሩ መጻሕፍቲ ዘሕተመትን ከም ዝኾነት ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዶክተር ካያኖ ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዙ ናይቲ ሽማግለ ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘገልገለ ፕሮፈሰር ፍራንቸስኮ ቡራነሊ ክትክኣ እያ።

ዶክተር ኤልቪራ ካያኖ
ዶክተር ኤልቪራ ካያኖ

ወተሃደራዊ ስርዓት ኢጣልያ

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 20 መስከረም 57 ዓመት ዕድመ ዝህልዎም ናይ ሳሳሪ ሊቀ ጳጳሳት ጃን ፍራንኮ ሳባ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ወተሃደራዊ ስርዓት ኢጣልያ ኮይኖም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ተሸሙ ዕለት 10 ሚያዝያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፣ ኣብ ተምፒዮ ኣምፑርያን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተመሃሩ ኣሲዚ ኣብ ዝርከብ ናይ ዞባ ኡምብሪያ ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም ብቲዮሎጊያ ተመሪቖም ቀጺሎም ኣብ ጳጳስዊ ኣጎስቲኒያኑን ተቕዋም ስነ ኣበው ብቲዮሎጊያ ስነ ኣበው ሊቕነት ዘመስከሩን ፐሩጃ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መንበረ ጥበብ ብስርዓታት ርክብ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ስነ መጽናዕቲ ዝተመረቑ ምዃኖም ሓቢሩ፣ እዞም ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ስርዓት፣ ንሽዱሽተ ዓመታት ናይ ሃገረ ስብከት ካቶሊካዊ ተግባር መንእሰያት ተራዳኢ፣ ካብ 2001 ዓ.ም. ጀሚሮም ድማ ናይ ሃገረ ስብከቶም ዋና ኣመሓዳሪ ተቕዋም ስነ ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን፣ ካብ 2010 ክሳብ 2015 ዓ.ም. ካሊያሪ ዝርከብብ ናይ ዞባ ሳርደይና ጳጳሳዊ ቤት ትምርቲ ዘርኣ ክህነት ሓለቓ ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 13 መስከረም 2017 ዓ.ም. ናይ ሳሳሪ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተሾሙን፣ ሊቀ ጳጳሳት ሳባ ነቶም ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ናይ ወተሃደራዊ ስርስዓት ኢጣሊያ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ንዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ሳንቶ ማርቻኖ ክትክኡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Apr 2025, 17:27