ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሱዳን ኩናት ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሐ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “ዕለት 15 ሚያዝያ ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ዘሕዝን ግጭት” ዘኪሮም፣ “እቲ ናብ ሰማይ ዝጭድር ስቓይ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ተቓላዕቲ ሰባትን ክንዋሳእ ዝሓተና እዩ” ቢሎም - ነቶም ናይቲ ግጭት ተዋሳእቲ፣ "እቲ ዓመጽ ኣቋሪጾም ኣብ መንገዲ ዘተ ክምለሱን ከምኡ'ውን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ክዋፈር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኩናት ሱዳን
ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ወተሃደራት – ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF)ን ዝጀመረ ኲናት፣ ድሕሪ ምውዳቑ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ርእሰ ብሔር ዑመር ኣልበሽር ናብ በርገሳዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ዝተበገሰ ጉዕዞ ዕለት 15 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ዝተባርዐ ኩናት ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ኩናት በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንሞት ከም ዝዳረገን ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ስደተይናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 12.4 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ከም ዘመዛበለን
ዝሓለፈ ቐዳም ዕለት 12 ሚያዝያ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፣ ሱዳናውያን ኣብ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ይርከቡ ኣለዉ ቢሉ፣ “ካብ ሰለስተ ሰባት እቶም ክልተ ሓገዝ ዘድልዮም ከም ዝኾኑን እዚ ማለት 30 ሚልዮን ሰባት . . . ዝውክል ምዃኑ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ምትሕብባርን ረድኤትን ወሃቢ ቃል ኦቻ ሓቢሩ፣ “እዚ ኵነት እዚ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ደገፍ ዝሓትት እዩ፤ እንተኾነ ግን ኣብ መላእ ዓለም ንሓገዝ ለገስቲ ሃገራት ዘቕርብኦ ምወላ ኣብ ምንካይ ምስራዝን ይርከባ ኣለዋ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሊባኖስ
ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ጻውዒት ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሊባኖስ ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐዲሶም፣ “ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዘሕዝን ኲናት ሓድሕድ ዝጀመረላ ሊባኖስ እውን ንዘክር: ብሓገዝ እግዚኣብሔር ኣብ ሰላምን ኣብ ናይ ምዕባለን ጎደና ክትጓዓዝ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ጸሎት ምእንቲ ሰላም
ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ናብ ካልኦት ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራት ዓለም ኣቕኒዖም፣
“ጸጋ ሰላም ኣብ ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሚያንማር፡ ደቡብ ሱዳን ተመንዮም፣
“ማርያም ኣደ ሕዙናት ነዚ ጸጋ እዚ ክንረክብ ነዚ ቅዱስ ሰሙን ብእምነት ክንነብር ትሕግዘና”
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።