ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ኣቆና ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ዝነበሮም መንፈሳውነት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመወዳእታ ግዜ ናብቲ ኣይቆና ጠበቓ ሮማውያን ዝገበርዎ ምብጻሕ ንዅሉ ናይ ግዜን ቦታን ዕንቅፋታት ሰጊሮም፣ ኣብ
ትንሳኤ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ዘረጋግጽ ስለ ዝኸውን ኢዩ። ቀዳም ዕለት 26 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ብካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣፈ ጉባኤ ካርዲናላት ዝተመርሐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓተ ቀብሮም፣ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተመነይዎ ኣብ ጥቓ እዛ ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ዝቕበሩሉ ዕዋን በጽሐ።
ለበዋ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ከምቲ ኣብቲ ኣቐዲሞም ዝጸሓፈኦ መንፈሳዊ ለበዋ ተገሊጹ ዘሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብትውፊት ኣብ 4ይ ዘመን፣ ኣብ ዝመነ ጵጵስና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ላይበርየስ እተሃንጸት ባዚሊካ ክቕበሩን፣ ኸም ናይ መወዳእታ ምድራዊ መዕረፊኦም ክትኮኖም መረጹ። ብትውፊት ከም ዝንገረሉ ድንግል ማርያም ብሕልሚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ላይበርያስ ተገሊጻ፣ ኣብቲ ብተኣራት ኣብዘይ ግዜኡ ውርጪ ዝወረደሉ ቦታ ቤተ-ክርስትያን ኪሃንጹ ከም ዝሓተተቶም ዝዝከር ኢዩ። ብዕለት 5 ነሓሰ 358 ዓ.ም. ንግሆ ኣብ መፋርቕ ክረምቲ፣ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ኩድኹዶ ኢስኲሊን ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ከተማ ሮማ ውርጪ ወረደ፣ እዚ ኸኣ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣበይ ከም እትህነጽ ዚሕብር ምልክት ነበረ።
ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት 126 ግዜ ዝገብርዎ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዘሕለፍዎ ዓሰርተው ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ቅድሚ ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውይን ን126 ግዜ በጺሖም ጸሎት ኣዕረጉ።ንመጀመርታ ግዜ ብዕልት 14 መጋቢት 2013 ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ደድሕሪ ምድያቦም ኢዩ ድማ ዝነብረ፣ እታ ናይ መወዳእታ ዝገበርዋ ምብጻሕ ድማ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2025 ቅድሚ ሓደ ሰሙን ቅድሚ ዕረፍቶም ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ዘመነ ኣገልግሎቶም ቀቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሓውርያዊ ዑደታትን ድሕሪ ናብ መንበሮም ምምላሶምን ከምኡ ውን ብ2023ን 2021 ክልተ ሳዕ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋናት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ከኣ ድሕሪ እቲ ኣብ ሆስፒታን ዝነውሐ ግዜ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ክሳዕ 23 መጋቢት 2025 ጸኒሖም ምስ ወጹ ናብዛ ብዛኢሊካ ምብጻሕ ኣካየዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዛ ኣይቆና ድንግል ማርያም ኣብቲ ብዕለተ 27 መጋቢት 2020 ኣብ ግዜ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ-19 ዘካየድዎ ፍሉይ መደብ ጸሎት ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክትመጽእ ደለይዋ።
ኣብ መስቀላዊ መገዲ ንግደታት
ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 26 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ናብታ ካብተን ኣርባዕተ ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ኣብታ ዝነኣሰት ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም
ዓቢይ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። እዛ ብዚሊካ እዚኣ ኣብ ታሪኽ ፈጺሙ ዕንወት ዘየጋጠማ እንኮ ንድንግል ማርያም እተወፈየት ቤተ-ክርስትያንን ከምኡውን ኣብ ምዕራባዊት ዓለም ካብ ዘለዋ ንድንግል ማርያም ዝተወፈያ ኣብያተ ክርስቲያን እታ ዝጠንተወት ኢያ። እዛ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ እትርከብ ቀጻሊ ማእከል ምንቅስቓሳት ደቅሰብ ዝዀነትን እቲ እቲ ማእከላይ መዕፊ ባቡራት ከተማ ሮማ ተርሚኒ ኣብ ጥቓአ ዝርከብ ባዚሊካ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ዘካይድዎ ዘነበሩ ሓዋርያዊ ጕዕዞታት ውን እተንጸባርቕ ኢያ።
ብዕለት 23 መጋቢት 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ምስ ወጹ፣ ንብፁዕ ካርዲናል ማክሪካስ ሕቝፊ ዕምባባታት ብምውፋይ ኣብ ቅድሚ ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ከንብሩሎም ተላበውዎም።
ናይ መወዳእታ መዕረፊ ስፍራ እዞም ኢየሱሳዊ ር.ሊ.ጳ.
እዚ ስፍራ እዚ እቲ መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝዀነ ቅዱስ ኢግናጽዩስ ብዓል ሎዮላ ቅዱስነቶም ውን ኣባሉ ዝኾኑሉ ማሕበር፣ ብ1538 ናይ መጀመርታ መሥዕተ ቅዳሴኡ ኣብ በዓለ ልደት ዘዕረገላ ቤተክርስቲያን ኢያ ዝነበረት። እዚ ባዚሊካ እዚ ከምቲ ኣብ ትውፊት ተገሊጹ እንረኽቦ፣ ነቲ ሕጻን ኢየሱስ ምስ ተወልደ ዝደቀሰሉ መብዕማል ዝርከበሉ ዘሎ ቤተክርስቲያን ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ቅርያት ርእሰ ሊቃነ ዝዓረፈሉ ቤተመቅደስ ኮይኑ ኣሎ። ቅዱስነቶም ነዚ እንከመልክቱ ኣብቲ ኣብ ውርሒ ታሕሳስ 2023 ዘካየድዎ ቃለ - መሕትት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም - "ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ክቕበር ድላይ ኣሎኒ”በሉ። ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም እውን ከይተረፈ፣ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝነበሮ ዓሚቝ መንፈሳውያንት ውን ኣጕሊሖም ኢዮም ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ናብ ሮማ ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን ኵሉ ሳዕ ሰንበት ንግሆ ናብኡ እኸይድ ነበርኩ። ምስ ኣደ ኣምላኽ ፍሉይ ቅርበት ኢዩ ዘሎኒ" ብምባል ውን ገለጹ። ብ2023 ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ኣይቆና "ወርቃዊ ጽጌረዳ" ብምንባር ዘለዎም ኣኽበሮት ገለጹ።