ር. ሊ. ጳ.፦ ክትልወጥ ብዘይምኽኣልካ እኳ እንተ ፈራህካ ተስፋ ኣይትቍረጽ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ድሕሪ ምጽኦም፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቅድስቲ ሳንታ ማርታ እተሰምየ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ዘዕርፉሉ ዘለዉ እዋን፣ ዋላ እውን ለውጢ ኽንገብር ዘይንኽእል ኰይኑ እንተ ተሰምዓና እንክብሉ፣ ምእመና ኣብ ከምዚ ኩነታት ውን ተስፋኦም ከየውድቑ ተላብዮም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘዳለውዎ ኣስተንትኖ ኢዮም ነዚ መልእኽቲ እዚ ዘመሓላለፉ፣ እቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ጽሑፍ ድማ ተሓቲሙ ብበትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ተዘርጊሑ ኣሎ።
ኣባላት ጕጅለ ሕክምና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሆስፒታል ካብ ዘፋንውዎም ኣትሒሶም ብውሑዱ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ግቡእ ዕረፍቲ ክገብሩ ስለዝኣዘዙሎም፣ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋናት ክገርብሮ ዝጸንሐ፣ ነቲ ቅዱስነቶም ዘዳለውዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታት ሰሙናዊ በብክፋላቱ ከየቋረጸ የመሓላልፎ ኣሎ።
መገዲ ጠፍኦ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ህይወት ጐይታትና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጋጠመ ዝተፈላለየ ነገራት ብምትኳር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ዘኬዎስ ዝተሰምየ ተቐባሊ ቐረጽ ካብ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ ኣስተንትኖኦም ኣካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ዘኬዎስ፣ ብመጀመርያ ደረጃ መገዱ ኸም ዝሰሓተ ሓሳብ ኣቕረቡ። ምናልባት ግጉይ ምርጫ ገይሩ ይኸውን ወይ ውን ንህይወቱ ከድሕን ኣብ ዚጽዕረሉ ዅነታት ከም ዚሳተፍ ገይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ" ይብሉ። ንኻልኦት ብምጕዳእ ሃብቲ ዚረክብ እዩ ዝመስሎ ዝነበረ።
ካብ ተስፋ ቑርጸት ረሓቕ
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ዘኬዎስ ጐንታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በታ ኸተማ ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ፣ ንጐይታ ክርእዮ ዚደሊ ከም ዝነበረ ዘከሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ይብሉ፣ ዓቕሙ ድሩት እኳ እንተ ነበረ፣ ሓያል ባህጊ ስለ ዝነበሮ ግን ተስፋ ኣይቆረጸን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል - "መፍትሔ ክትረክብ ዝከኣል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ንዓበይቲ ማሕበራዊ ፍርድታት ዕሽሽ ንምባልን፣ ንተራ ዝኾነ ህጻንነታዊ ባህሪ ምቕባልን ከምኡውን ብዛዕባ ምስሊ ገዛእ ርእስኻ እምብዛ ንዘይምጭናቕን ትብዓትን ፍቓደኛነትን ዝሓትት ኢዩ።"
ዘኬዎስ ከምኡ ኢዩ ዝገበረ፣ "ከም ሓደ ቈልዓ" ናብ ኦም ደየበ። ወሲኾም ድማ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና "ግናኸ ኢየሱስ ኣብቲ ቦታ እቲ ምስ በጽሐ ሓደ ዘይተጸበኻዮ ነገር ኢዩ ዘጋጠሞ። ዘኬዎስ እተቓልዐ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፣ ህዝባዊ መግናሕቲ ክወርዶ ይጽበ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ንዘኬዎስ ብኡብኡ ኺወርድ ብምሕታት "ሎሚ ኣብ ቤትካ ክውዕል ይግብኣኒ ኢዩ፣ ክብሎ ምስ ተረኽበ ኣዝዩ ተገረመ" ድሕሪ እዚ ድማ "እቶም ህዝቢ እውን ክገንሖ ይኸውን ኢዩ ቢሎም ትጽቢት ነይርዎም ክኸውን ዝከኣል ኢዩ፣ ግናኸ እቶም ሕዚ በዚ ተግባራት ኢየሱስ ተስፋ ቘረጹ" ውን በሉ።
ኣምላኽ ንዝጠፍአ ኢዩ ዝደሊ
ቅዱስ ኣቦና "ኣምላኽ ነቶም ዝጠፍኡ ከይረኸበ ኺሓልፍ ኣይክእልን እዩ፣" ብምባል ነቲ ኣብ ልቢ ዘኬዎስ ዝነበረ ሓጐስ ንምንታይ ከም ዝነበረ ኣመልከቱ ።
"ኣምላኽ ነቶም ዝጠፍኡ ከይረኸበ ኺሓልፍ ኣይክእልን እዩ!"
ቅዱስነቶም ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ሓደ ሰብ ከም ዝተራእየን ከም እተፈልጠን ልዕሊ ዅሉ ድማ ይቕረ ኸም እተባህለሉን ምስ ዝፈልጥ ዝስምዖ ሓጐስ ኢዩ።" ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክጥምት እንከሎ ብኩነኔ ዘይኰነስ ብምሕረት ዝጥምት ከም ምዃኑ ውን ገለጹ። ኣምላኽ ነቶም ኣይግብኦምን ኢዩ ኢልና እንሓስቦም ሰባት ምሕረት ክገብረሎም እንከሎ፣ ሓድሓደ ግዜ ንኽንቅበሎ ዘጸግመና ዓይነት ምሕረት ኢዩ ዝኾነና" በሉ።
ጭቡጥ ንስሓን ሓድሽ ጅማሬን
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተንትኖኦም ንኩነታት ዘኬዎስ ብምስትንታን እንክገልጹ "ዘኬዎስ ትምኒት ዘለዎ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ጭቡጥ ስጕምቲ ዝወሰደ እውን እዩ ነይሩ። እቲ ዝወሰዶ ውሳነ ዘይንጹር ወይ ዘይጭበጥ ኣይነበረን፣ ካብ ታሪኽ ህይወቱ ብምጅማር፣ ንህይወቱ መርሚሩ ለውጢ ዝፈለመሉ ደረጃ እንታይ ምዃኑ ውን ገለጸ።"
ኣብዚ ዓውዲ ታሪኽ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ዋላ እውን እተገለልና ወይ ለውጢ ኽንገብር ዘይንኽእል ኰይኑ እንተ ተሰምዓና ተስፋ ኸይንቘርጽ ካብ ዘኬዎስ ንመሃር" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ምእማናን፣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክርእይዎ ዘለዎም ባህጊ ኼዕብዩን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብምሕረት ኣምላኽ "መገዲ ኣብ ዝጠፍኣና ዅሉ ሳዕ ክደልየና ዝመጽእ ንሱ ኢዩ" ቢሎም ብምዕዳም ኣስተንትኖኦም ደምደሙ።