MAP

ር.ሊ.ጳ. ንተማሃሮ መናብርተ ጥበብ “Opus Dei - ዕዮ ኣምላኽ”  ብተስፋ ክጸንዑ የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ንተማሃሮ መናብርተ ጥበብ “Opus Dei - ዕዮ ኣምላኽ” ብተስፋ ክጸንዑ የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ. ንተማሃሮ መናብርተ ጥበብ “Opus Dei - ዕዮ ኣምላኽ” ብተስፋ ክጸንዑ የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተሳተፍቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መናብርተ ጥበብ “Opus Dei - ዕዮ ኣምላኽ” 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ተጋባእያን ናይ ኢየሱስ ወንጌል ናብ ዓለም፥ መልእኽቲ ዘየሕፍር ተስፋ ገይሮም ክምስክርዎ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳብ በዓለ ፋሲካ ዕለት 20 ሚያዝያ ሰንበት ዝቕጽል ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ጉባኤ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ “Opus Dei - ዕዮ ኣምላኽ፣”  እቲ ናይ ለምዘበን ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መራሕ ቃል ምስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.ን ምስ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅብዓ ክህነት ናይ ኦፑስ ደይ ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ኾሰ ኤስክሪቫ ደ ባላገርን ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ “ንኣምላኽ ንምምስጋን ዓቢ ምኽንያት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወንጌላዊ ተስፋ ናብ ኩሉ ምብጻሕ

ቅዱስነቶም ኣብቲ “ኣብ ሓጐስኩም ብመንፈስ እሓብር” ብዝብል ቃል ዘመገስዎ መልእኽቶም፣ እዚ እዋን ጕዕዞን ምስ ኣሕዋት ንምርኻብን ዚግበር ዓውደ ኣኼባ፥ ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ መብጽዓታት ዚፍጽም ናብ ክብሪ ዝመርሕ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ ዘይሕፍር ተስፋ ናብ ኩሉ ንኸተብጽሑ ዝድርኸኩም ክኸውን እናሕተትኩ ብጸሎተይ እሰንየኩም - ቢሎም - ኢየሱስ ይባርኸኩም እታ እተባረኸት ድንግል ከኣ ትዓቑብኩም" እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ጉባኤ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ኦፑስ ደይ 2025 ዓ.ም

ኣብ 1968 ብቅዱስ ኾሰ ማሪያ ኤስክሪቫ ደ ባላገር ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ጉባኤ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ “Opus Dei - ዕዮ ኣምላኽ፣”  ኣብ መንጎ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ተማሃሮ ፍልጠትን መንፍሳዊ ተመክሮታትን ዝለዋወጥሉ መድርኽ ኮይኑ ዘገልግል ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፣ ኣብቲ “ናይ ዓለምና ዜጋታት” ዝብል ኣርስቲ ዘለዎ ሕታም 2025 ዓ.ም.፣ ካብ 25 ሃገራትን 32 መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 2000 ተማሃሮ ዘራኽብ ኮይኑ፣ ኣብዚ ቅዱስ ቅነ፣ ተማሃሮ ኣብ ስነ ፍልጠታውን ባህላውን ጸሎትን ህሞታት ክዋፈሩን ከምኡ እውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፣ እቲ መደባት ስነ ፍልጠት፣ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፖኡስ ደይ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ዝካየድ ኮይኑ፣ ደቂ ተባዕትዮ ተማሃሮ ዕለት 15 ሚያዝያ፣ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ድማ ዕለት 16 ሚያዝያ ዘራኽብን በዚ ኣቃውማ እዚ ኣቢሉ ድማ እቲ ዓውደ ጉባኤ ንኽልቲኡ ቀልባዊ ቅርጽን መንፈሳዊ ዕብየትን ዘስፍሕን፣ መንእሰያት ካቶሊካውያን ከም ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነታውያንን ኣባላት ዓለማዊ ማሕበረሰብን ዘለዎም ተራ ብዕምቆት ከስተንትኑ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ፣

12 Apr 2025, 16:54