MAP

ር.ሊ.ጳ. ካብ ሰበኻታት ኢጣልያ ዝመጹ ነጋዲያ 'ኣብ ጸሎት ክጸንዑ' የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ካብ ሰበኻታት ኢጣልያ ዝመጹ ነጋዲያ 'ኣብ ጸሎት ክጸንዑ' የተባብዑ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ካብ ሰበኻታት ኢጣልያ ዝመጹ ነጋዲያ 'ኣብ ጸሎት ክጸንዑ' የተባብዑ

ካብ ኢጣሊያ ዞባ ቶስካና ሃገረ ስብከት ግሮሰቶን ፒቲሊያኖ - ሶቫና - ኦርቤተሎን ዝተዋጽኡ ዕለት 9 ሚያዝያ ሮማ ንዝኣተዉ ነጋዲያ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ናብ ቅዱስ ኣፍደገ ዝገብርዎ ንግደት እምነቶም ከሐድስ ዘለዎም ተስፋ ክም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ካብ ሃገረ ስብከት ግሮሰቶን ፒቲልያኖ- ሶቫና - ኦርቤተሎን ንዝመጹ ነጋድያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣፍደገ ንኽሓልፉ ዕለት 9 ሚይዝያ ሮማ ንዝኣተዉ ነጋድያብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ እዚ ንግደት እዚ “ንጓሳን መጓሰን ኩላትና ብሓድነት ምእንቲ ክንጓዓዝ እምነትና እንሕድሰሉ ቅዱስ ኣጋጣሚ እዩ፣ ቢሎም ነቶም ኣብቲ ንግደት ንዝሓበሩ ህሙማንን ኣረጋውያንን ልባዊ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብፍሉይ ከም ዝሓስብዎም ድማ ኣረጋጊጾም፣

“ነቲ ናይ ስቓይን ፈተናን ግዜ ኣብቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ምንጪ ድሕነት ዝኾነ መስቀል ብምስትንታን ንንበሮ”

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም “ኣብ ዓለም እንርእዮን ኣብ ልብና ዝስምዓናን ጸገማት” ናይ ምትብባዕ ቃል ዘመንጨው ክኸውን ተማሕጺኖም፣ “ነታ ጨው ምድሪ እትገብረና ተስፋ መዓልታዊ እናመስከሩ” ብጸሎት ክጸንዑ ተላብዮም፣ ነተን ሃገረ ስብከታት ድማ ንኣማላድነት ማርያምን ሓለውቲ ቅዱሳንን ሕድሪ ብምባል፣ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምሃቦም ድማ ነቶም ነጋድያን፣ “ሓደራ ኣብ ጸሎትኩም ተዘከሩኒ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

10 Apr 2025, 17:03