MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዜማ ፋሲካ፡ ብርሃን ትንሳኤ ንልብና የብርህ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሚያዝያ ካብዚ ዓለም ምፍላዮም ኣብቲ ዕለት 19 ሚያዝያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዋዜና በዓለ ፋሲካ ንቕዱስነቶም ወኪልም ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብ ዘንበበዎ ናይ ቅዱስነቶም ስብከት፣ "ብርሃን ትንሳኤ ንመንገድና ከም ዘብርህን፣፥ ንልብና እተዘኻክር መዓልቲ ምዃና” ከም ዝገለጹን ቅዱስነቶም ቅድሚ ክልተ ሰዓት እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት ከም እተረኸቡን ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምመናን ድማ ሰላምታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።
21 Apr 2025, 15:49