MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ እምነት ፋሲካ ነቲ ዝተንስአ ጎይታ ብተስፋን ብሓጎስን ክንደልዮ ይድርኸና!

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሚያዝያ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ዝኾኑ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ብሓጎስ ተቐቢሎም፣ . . . ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ነበር ናይ ከተማ ቫቲካን ነበር ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ኮማስትሪ

ንጐይታ ኣብ ምድላይ ንተሃወኽ

ር.ሊ.ጳ.. ፍራንቸስኮ ማርያም መግደላዊትን ጴጥሮስን ዮሃንስን ኩሎም ነቲ ባዶ መቓብር ንምርካብን ንምምስካርን ከመይ ከም ዝተሃወኹ ብምዝካር፣ እዚ “ጉያ” እዚ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምዕዛብ፣ እቲ ዝተቐብረ ጐይታ ተወሲዱ ዶ ይኸውን ዝብል ስክፍታ ጥራይ መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ፣ ድሌት፣ “ናፍቖት ልቢ፣ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ናይቶም ንኢየሱስ ክደልዩ ዝተበገሱ” ከንጸባርቕ ከም ዝኽእል ገሊጾም። ጎይታ ካብ ሞት ተንሲኡ እዮ እሞ ኣብቲ ባዶ ዝኾነ መቓብር ዘይኮነስ “ኣብ ካልእ ‘ስፍራ’ ክንደልዮ ኣሎና።”

ነቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ብንጥፈት ምድላይ

መልእኽቲ ፋሲካ ብልክዕ “ክርስቶስ ተንሲኡ፡ ህያው እዩ!” ዝብል ሓቂ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣዘካኺሮም፣ “ድሕሪ ደጊም ምቑሕ ሞት ኣይኰነን” ቢሎም፣ እዚ ድማ “ስጉምቲ ክንወስድ” ይጠልብ፣ ኣብ ሕይወትና፣ ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ኣብ መዓልታዊ ተመኩሮታትና - “ብጀካ ኣብ መቓብር ኣብ ኩሉ ቦታ” ንጐይታ ክንረኽቦን ዝብል ስጉምቲ ምዃኑ የብርሁ።

"ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ፣ ኣብ መንጎና ይሓድር፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብቶም ኣብ መንገዲ እንረኽቦም ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ኣብቲ ኣዝዩ ተራን ዘይግመትን ኩነታት ህይወትና ብሕቡእ ይግለጽ። ነቶም ዝሳቐዩ ንብዓት እናሓበሰ፣ በቲ ነፍሲ ወከፍና እንገብሮ ንኣሽቱ ተግባራት ፍቕሪ ጽባቐ ህይወት እናመስከረ ህያውነቱ ይቕጽል!

"ንጐይታ ኣብ ህይወትና ምቕባል

እምነት ፋሲካ ምስ ዝተንስኤ ጎይታ ንምርኻብን ኣብ ሕይወትና ንኽንቅበሎን ኣፍደገ ልብና ይኸፍት ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ እዚ ናይ ፋሲካ ክውንነት “ንግብሪ ይድርኸና፣ ከም ማርያም መግደላዊትን ደቀ መዛሙርትን ክንጎዪ” ንጐይታ ክንደልን ክንራኸብን፣ “ኪኖኡ ዝርእያ” ኣዒንቲ ክህልወና ከምኡ’ውን ንኢየሱስ ከም “ዝነብር” ሎሚ ምሳና ህልው ምዃኑ፣ ቅድሜና እናኸደ፣ በእዳውና ሒዙ፣ እናገረመና ምሳና ምህላዉ ተመክሮና ንገብሮ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

“ከም ማርያም መግደላዊት መዓልታዊ ንጎይታ ምስኣ ተመክሮና ክንገብሮ ንኽእል ኢና፡ እንተኾነ ግን መዓልታዊ ንርእሱ ክርከብ ከም ዝፈቅድን ብብርሃን ትንሳኤኡ ከም ዝመልኣናን ርግጸይናነት ሒዝና ዳግማይ ክንደልዮ ክንጎዪ ንኽእል ኢና።”

ዝዓበየ ተስፋ ህይወት ተመክሮ ምግባር

“ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ እቲ ዝዓበየ ተስፋ ሕይወትና እዩ፣ ነዚ ድኻን ተኣፋፍን ቁሱልን ህላወ እዚ ኣብ ክርስቶስ ጠቢቕና ክንነብሮ ንኽእል ኢና፣ ምኽንያቱ ንሞት ስዒሩ፣ ንጸልማትና ስዒሩ ንጸልማት ዓለም ዝሰዓረን: ምስኡ ብሓጐስን ንዘለዓለምን ንኽንነብር መታን!

ተስፋ ምሕዳስን ምክፋልን

“ኢዮቤል ኣብ ውሽጥና ዘሎ ህያብ ተስፋ ከነሐድስ፣ ስቓይናን ስክፍታታትናን ንተስፋ ክንህብ፣ ኣብ ጉዕዞና ንዝረኸብናዮም ከነካፍልን መጻኢ ህይወትናን ዕጫ ስድራቤት ደቂ ሰባትን ተስፋ ክንገብር ብሓላፍነት ክነቕርቦ ይዕድመና፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንሓላፊ ነገራት እዛ ዓለም ኢድና ክንህብ ወይ ብእኡ ክንሓዝን የብልናን፣ እንታይ ደኣ “ብሓጎስ ክንጎዪ” ምስ ጐይታ ክንራኸብን “ኣዕሩኽቱ ናይ ምዃን ዘይግመት ጸጋ መሊስና ክንረክብን” ይግባእ ምስ በሉ፣

ኣሓተይን ኣሓተይን፡ ኣብ መስተንክር እምነት ፋሲካ፣ ኩሉ ትጽቢት ሰላምን ሓርነትን ኣብ ልብና ተሰኪምና፣ ኦ ጎይታ ምሳኻ ኩሉ ሓድሽ እዩ፣ ምሳኻ ኩሉ ከም ብሓድሽ ይጅምር” ክንብሎ ንኽእል ኢና

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Apr 2025, 15:54