ምምሕያሽ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ሕክምናን ምክትታል ፍወሳን ካብ ዝጀመሩሉ እዋን ኣብ ሓፈሻዊ መደባቶም ለውጢ ከም እተገብረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ክዝርጋሕ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ፣ ስለዚ ዕለት 6 ሚያዝያ ሰንበት ዘቐርብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ክካይድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ሓድሽ መግለጺ ዘድሊ እንተድኣ ኮይን ኣብ እዋኑ ክወሃብ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረሎም መርመራ ደም እውን ኣብ ረኽሲ ሳንቡኡ ቁሩብ ምምሕያሽ የርእዩ ምህላዎም ዘረጋግጽ ኮይኑ፣ ብቐጻሊ ሕክምናን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ምስ ስርዓተ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰር ኣካላዊ ፍወሳን ይከታተሉ ከም ዘለዉን፣ መዓልቲ ውሑድ ለይቲ ድማ ልዑል ዋሕዚ ሓገዝ ኦክስጅን ከም ዝግበረሎም ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ዕለት 4 ሚያዝያ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ነፍሲ ወክፍ ዓርቢ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጰጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ኣብ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ከምኡ እውን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብማንዛ ከም እተኸታተሉ ብሩኒ ሓቢሩ።