ር. ሊ. ጳ.፦ 'እቲ ዓራት ሕሙማን ቅዱስ ቦታ ኪኸውን ይኽእል እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 5 ሚያዝያን ክሳብ 6 ሚያዝያን እተኻየደ ኢዮቤል ሕሙማትንን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ኣመልኪቶም ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ብምጥቃስ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ ።
ኣብቲ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊዚኬላ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ዘንበብዎ፣ ብቅዱስነቶም እተሰናደወ ስብከቱ ቃል ኣምላኽ፣ ምእሙናን ብዛዕባ ዅነታት እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እስራኤላውያን ከስተንትኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም - ኣብ ስብከቶም ቅዱስ ኣቦና "ኵሉ ዝጠፍአ እዩ ዚመስል ነይሩ፣" ይኹን እምበር ኣብታ ብፈተና ዝሓልፉላ ዝነብሩ ህሞት ሓድሽ ህዝቢ ተወልደ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ተመክሮ እዚ ምስታ ብሰንኪ ሓጢኣታ እተዀነነትን ብዳርዳ እምኒ ክቐትልዋን ዝደለዩ ሰበይቲ ብምስሳል ውን ኣስተንተኑ። እቶም ነታ ቐዳመይቲ እምኒ ኺድርብዩ ተሰናዲዮም ዝነበሩ ከሰስታ፣ በቲ ህዱእ ስልጣን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶም ተረቲዖም ሃደሙ፣ ንሱ ድማ "ብሰላም ኪድ ፣ ነጻ ኢኺ፣ ድሒንኪ ኢኺ" በላ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዘን ዛንታታት ብምስትንታን ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምእታዉ ንኽሰርሕ ፍጹማን ክንከውን ከም ዘይጽበየና ውን ገለጹ ። ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንቍስልና ብምትንካፍ፣ መከራ እኳ እንተ ሃለወና ኣብ ኣፍደገ ኮይኑ ይኩሕኩሓና ኣሎ።”
ሕማምን ሓልዮትን
በዚ ኸምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቶም ሕሙማንን ናብ ኵሎም ኣለይቶምን ምልስ ብምባል፣ ነቲ ሕማም ከስዕቦ ዚኽእል ዓሚቝ ስቓይ ኣፍልጦ ሃቡሉ ። "ከምቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ሰባት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። . . . ወይ ውን ከምታ ኣብ ወንጌል ተጠቒሳ እንረኽባ ሰበይቲ" በሉ። እንተዀነ ግን ብትሕትናን ብጸጋን ኣፍቂርና ምኽኣል እንመሃረሉ "ቤት ትምህርቲ" እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሕማሞም ውን ኣስተንተኑ፣ ሕማም ከም ጾር ዘይኰነስ ብዛዕባ ተኣማንነትን ሞሳን ተስፋን ዝገልጽ ትምህርቲ ገይሮም ብምግላጽ ድማ፣ ኣብ ካልኦት ከም ዝውከሉ ገለጹ። "ንድሕሪት ኣይንመለስ" ድማ በሉ፣ ወሲኮም ድማ "ክንፍቀር ንፍቐድ" ክብሉ ተላበዉ።
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ብምምላስ፣ ስለቲ ዝገበርዎ ዘለዉ ኣገልግሎታት ኣመስገንዎም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕሙም ብዛዕባ ደቅሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ንኼሐድሱ ቡቕ ኣጋጣሚ ኪዀኖም ድማ ኣተባብዕዎም ። ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ዓራት ሕሙማን ቅዱስ ቦታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ፍቕሪ ንዘይምግዳስ ተጥፍእ፣ ከምኡ ውን ምስጋና ንተስፋ ተቀጻጽል።"
ጻውዒት ንርሕራሐ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስብከቶም ኣብ ምዝዛም ቃላት ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዘኪሮም፣ ንቤተ-ክርስትያን "ናይ ሓቂ መለክዒ ሰብኣውነት ምስ ስቓይ ብእተተሓሓዘ ኩነቱ ኢዩ ዝውሰን" ብምባል ውን ኣዘኻኸሩ። ንሕሙማትን ንድኹማትን ዝባኑ ዚህብ ሕብረተሰብ ጨካንን ኢሰብኣውን ከም ዚኸውን ውን ኣጠንቀቑ ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝሓሙማንን ወይ ውን በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ጸገማት ዝሳቐዩን ዘለዉ ሰባት ንኽርስዑ ዚቐርበሎም ፈተና ኺቃወምዎ ተማሕጸንዎም ። "ኣብ ከባቢና ንስቓይ ኣይንዘንግዓዮ" ውን በሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ "ነቶም ድኹማት ኣይንገልሎም፣" ኣብ ክንዳኡስ በታ ኣብ ልብና ዝፈሰሰት ፍቕሪ ኣምላኽ ንስቓይ እውን ከይተረፈ ናብ ሕብረትን ዕቤትን ክቕይሮ ኽንፈቕደሉ ኣሎና፣ ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።