ክሳብ ሓድሽ ር.ሊ.ጳጳሳት ዝመርጹ ማዓጹ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈትን መንበሪ ቤቶምን ተዓሺጉ
ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዓረፉላ ምሸት ዕለት 21 ሚያዝያ ዕረፍቶም ናይ ምርግጋጽን ቅሪቶም ኣብ ሳንዱቕ ናይ ምእታውን ኣብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ ምቕማጥን ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 21 ሚያዝያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕረፍቲ ናይ ምርግጋጽን ቅሪቶም ኣብ ሳንዱቕ ናይ ምእታውን ኣብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክጸሎት ናይ ምቕማጥን ስነ ስርዓት ዝመርሑን እቲ ወግዓዊ ዜና ዕረፍቲ ቅዱሰቶም ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝነገሩን ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ሓዋርያዊ ህንጻ ዝርከብ ቤተ ጳጳስን ከምኡ እውን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ዝርከብ መንበሪኦምን ናይ ተዓጽዩ ማሕተም ከም እተነበረን፣ ነዚ ስነ ስርዓት እዚ እውን ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፋረል ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ዕለት 22 ሚያዝያ ቀዳማይ ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ምክያዱን እቲ ጉባኤ ካርዲናላት እውን መዓልቲ ስነ ስርዓት ቀርብሪ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ዕለት 26 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍጸም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
22 Apr 2025, 15:44