ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሞት ናይ ኩሉ ነገር መደምደምታ ዘይኮነስ ሓድሽ ጅማረ እዩ!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ
እቶም ብማዕርገ ጵጵስና ሓወይ ዝኾኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፍን ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክን ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳትን ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ጽፍሕታት ዘገልገሉ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ካብ ሓሳቦምን ፍቕሮምን ዝተወልደት መጽሓፎም ብውዕውዕ ስሚዒት ኣንቢበያ።
ብመጀመርታ ነዚ ሳሕቲ ዘጋጥመኒ ውልቃዊ ተመኩሮን ባህላዊ ተሃዋስነትን ዘወሃህድ ኣስተንትኖ ዝሓዘ መጽሓፍ ብምቕራቦም ከመስግኖም እደሊ። ተመኩሮ ንባህሊ የብርህ ከምኡ እውን ባህሊ ንተመክሮ ትሕዝቶ ይህብ። ኣብዚ ድማ ምትሕንፋጽ ህይወትን ባህልን ብጽባቐ ይጥጥዕ።
በቲ ንእስ ዝበለ ዝመስል መልክዕ እቲ መጽሓፍ ኣይትታለሉ - እቲ መጽሓፍ ኣዝዩ ጽዑቕ ገጻት ዝሓዘ እዩ፣ ደጋጊምካ ክንበብ ዘለዎ እዩ። ካብቲ ኣንጀሎ ስኮላ ዘስተንተንዎ ሓሳብ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ ገለ ንልቢ ዝትንክፍ ምስትውዓል ክረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ። ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ብዛዕባ እርጋንን ብዛዕባ ናቶም እርጋንን ይዘረቡና፣ ንዘሎ ሓቂ ብምቕራብ ልቢ ዝትንክፍ እዩ። . . . እወ፡ እርጋን ክንፈርሕ የብልናን፡ ምእራግ ሓንጎፋይ ቢልና ንኽንሓቝፍ ክንፈርሕ የብልናን፣ ምኽንያቱ ኵነት ህይወት እዩ። ነዚ ክውንነት እዚ ድማ ኣጸባቢቕኻ ምቕራቡ ንናይ እርጋን ጭቡጥ ኩነት ምጥላም እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ “እርጋን” ከምቲ እቲ ከም ውዳቕ ዝሓስብን ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ዝገልጾ “ጓሓፍ” ማለት ኣይኮነን፣ “ኣረጊት” ምባል ኣብ ክንድኡ ተመኩሮ፣ ጥበብ፣ ፍልጠት፣ ምስትውዓል፣ ምሕሳብ፣ ምስማዕ፣ ምዝሓል... ኣዚና ዘድልዩና ክብርታት ምግላጽ ማለት እዩ።
ሓቂ እዩ፣ ሓደ ሰብ ይኣርግ፣ እቲ ጸገም ግን እዚ ኣይኮነን፣ እቲ ጸገም ብኸመይ ይኣርግ እዩ። ነዚ ናይ ሕይወት ግዜ (ምዕራፍ) ከም ጸጋ እምበር ብቂምታ እንተ ዘይነበርናዮ፤ ነቲ ኣናጎደለ ዝኸይድ ሓይሊ፣ እናወሰኸ ዝኸይድ ድኻም ኣካላት፣ ድሕሪ ደጊም ከምቲ ኣብ ግዜ ንእስነትና ዝነበረ ዘይኰነሉ ግዜ (ዋላ ነዊሕ) እንተ ተቐቢልናዮ ከምቲ ሮማኖ ጓርዲኒ ዝመሃረና፣ ናይ ብሓቂ ፍረ ዘለዎን ሰናይነት ከንጸባርቕ ዝኽእልን ዕድመ ህይወት ይኸውን።
ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ሰብኣውን ማሕበራውን ዋጋ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን የጉልሑ። ብዙሕ ግዜ ተራ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ንዝተነመቐ ምዕባለ መንእሰያት፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዝያዳ ሰላማዊ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣስሚሮምሉ እዮም። ምኽንያቱ ኣብነቶም፣ ቃላቶም፣ ጥበቦም ኣብ መንእሰያት ኣርሒቑ ዝጥምት ራእይ፣ ዝኽሪ ሕሉፍ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ነባሪ ክብርታት መልሕቕ ከስርጽ ስለ ዘኽእል።
ኣብ ሞንጎ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንግዝያውን ዘይጥዑይን ንደጋዊ መልክዕ ዝውፈ ሕብረተሰብና፣ ጥበብ ኣደ ሓጎታትን ኣቦ ሓጎታትን፣ ንዘይርጉጽነት ርዱእ ዝገብር ካብ ተመኩሮኦም ንመዓልታዊ ህይወቶም ዝኸውን “ተወሳኺ” ነገር ክወስዱ ዝኽእሉ ደቂ ደቆም ኣንፈት ዝህብ፣ ድሙቕ መብራህቲ ይኸውን።
ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምእራግ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዛዕባ ሞት ዝምልከቱ ቅዉም ሓሳብ ዘወፍዩወን ቃላት፣ ክቡራት ዕንቊታት እምነትን ተስፋን እየን። ኣብ ኣስተንትኖ ናይዚ ሓው ጳጳስ፡ መቓልሕ ናይ ሃንስ ኡርስ ፎን ባልታሳርን ጆሴፍ ራትዚንገርን ቲዮሎጊያ የስተውዕል - “እቲ ተንበርኪካ ዝግበርን ኣብ ዘተ ምስ ጎይታን ዝጠሓለ ቲዮሎጊያ”።
ነዚ እየ ድማ ኣቐዲመ እዚኦም “ካብ ሓሳብን ፍቕርን” ካርዲናል ስኮላ ዝተወልዱ ገጻት እዮም ዝበልኩ፣ ካብ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ውሽጣዊ ስምዒት እውን ዝተረደረኸ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ እምነት ክርስትና ዘመልክቶ እዩ፣ ምኽንያቱ ክርስትና ክሳብ ክንድዚ ናይ ስነ ፍልጠት ተግባር ወይ ግብረ ገባዊ ምርጫ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ንሓደ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ - ነቲ ክረኽበና ዝመጸን ኣዕሩኽ ክብለና ዝወሰነ ክርስቶስ።
ልክዕ ኣብ መደምደምታ እታ መጽሓፍ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ፡ ንርእሱ ንናይ መወዳእታ ርክብ ምስ የሱስ ከመይ ጌሩ የዳልዋ ከም ዘሎ ልባዊ ኑዛዜ የቕርብ፣ ዘጸናንዕ ርግጸይናነት ዝህበና፣ ሞት መወዳእታ ኩሉ ዘይኮነስ፣ መጀመርታ ናይ ሓደ ነገር ምዃኑ ዘብርህ፣ ከምቲ ናይታ መጽሓፍ ኣርእስቲ፣ ብጥበብ ዘጉልሖ ናይ ሓድሽ ጅማረ እዩ፣ ምኽንያቱ እቶም ዘፍቅሩ ድሮ ኣብ ውሽጢ መዓልታዊ ዕማማት ህይወት ኣብ ምድሪ ክረኽብዋ ዝጅምሩ ዘለኣለማዊ ህይወት - እቲ ፈጺሙ ዘይውዳእ ነገር ድሮ ጀሚራቶ ኣላ።
ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ “ሓድሽ” ጅማረ ዝኾነ፣ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዘይነበርናዮ ዘይንፈልጦ ነገር ክንነብር ኢና - ዘለኣለማውነት።
እዘን ገጻት ኣብ ኢደይ ሒዘ፣ ብዝበለጸ ከምቲ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ር.ሊ.ጳጳሳት ኮይነ ምስ ተሓረኹ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ጻዕዳ ልብሲ ምስ ለበስኩ ዝገበርክዎ ምልክት ክደግሞ እደሊ፣ ንሓወይ ኣንጀሎ ብዓቢ ክብርን ፍቕሪ ክሓቑፎ እንኮለኹ እናዘከርኩ፣ ሎሚ ካብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ዝነበርናዮ ዕድመ ንዓቢ። ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ህይወትና ሕይወትን ተስፋን ዝህበና ፈቃር ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ኣብ ምስጋና ሕብረት ኣሎና።
ከተማ ቫቲካን ዕለት 7 ለካቲት 2025 ዓ.ም
ፍራንቸስኮ