ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝዓግተና ዘበለ ኩሉ ጾር ክንፈትሕ ኣሎና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘሰናደውዎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታን ቤት ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝተዘርገሐ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ንምእማኑ ዘጸግም ፍቕሪ ንምቕባል ዝዕንቅፍ ዘበለ ኩሉ ንድሕሪት ክንሓድግ ጻውዒት የቕርቡ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ህይወት ኢየሱስ ዘጋጠሙ ርክባት ብምትኳር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተጠቒሱ ዘሎ ርክብ ምስ ሓደ ሃብታም ሰብ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣማእኪሎም፣ እዚ ኣብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 10፡ 17 - 22 ዝዝንተው ርክብ፣ ሓደ ሰብኣይ ናብ ኢየሱስ እናጐየየ "ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክወርስ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ?" እንክብ ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ ነተን ትእዛዛት ምስ ኣዘኻኸሮ፣ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ንድኻታት ኪህቦምን ኪስዕቦን ድማ ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ዓቕሉ ስለ ዘጽበበን ኪገብሮ ስለ ዘይከኣለን ድማ ጕህዩ ኸደ።
ተኽእሎ ንሓቀይና ሓጎስ
ቅዱስ ኣቦና ፍቕሪ ኢየሱስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ህይወቱ እንደገና ናይ ምጅማርን ናይ ምሕዳስን ኣጋጣሚ ዝኸፍት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኢየሱስ "ኣፍቀሮ፣ ኢየሱስ ነዚ ሰብኣይ ቅድሚ ንኽስዕቦ ምዕዳሙ እውን እንተኾነ የፍቅሮ እዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም። "ልክዕ ከምቲ ዘለዎን ምዃኑን የፍቅሮ፣ ፍቕሪ ኢየሱስ ብናጻ ዝጽገዎ እዩ - ኣንጻር እቲ ነዚ ሰብኣይ እዚ ዘጨንቖ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ድማ እያ፣
"ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ከም እንፍቀር ምስ ዝርድኣና ብሓቂ ሕጉሳት ንኸውን፣ እዚ ድማ ብጸጋ እዩ!”
ዝኸብደና ዘበለ ዅሉ 'ምርጋፍ'
ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጉድለት ወይ ባዶነት ንምምላእ "ፍልጠት ፍቕሪ ወይ ክብሪ 'ክንዕድግ' ክንፍትን የብልናን፣ እንታይ ደኣ፡ ልብና ሓራ ንምውጻእ፣ ንኹሉ ዝኸብደና ዘበለ 'ክንሸይጥ' ኣሎና። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ መወዳእታ በይኑ - ኣብ በይናውነት እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ኣብቲ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ከበድ - ሃብቲ ዘመልሕቐሉ ወደብ ስለ ዝገበረ እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣
"ሓደ ሓደ ግዜ ዝኾነ ነገር ኩሉ ስንቂ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና፣ በንጻሩ ዘድልይ ስንቂ ዘይኮነስ፣ ዝዓግተና ጾር ጥራይ እዩ”
ቢሎም ንዅሎም ምእመናን፣ "ነቶም ዝጕህዩን ውሳነ ዘይገብሩን፣ ነቲ ንልብና ብለውሃት ዝመልኦ ፍቕሪ ዝጥምት ጐይታ ከስውዕሉ መታን ንልቢ ኢየሱስ ሕድሪ ኽህቡ ዓዲሞም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።