MAP

ናይ ሞት መቕጻዕትን ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳትን፥ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘየቋርጽ  "ኣይፋል ንፍርዲ ሞት” ናይ ሞት መቕጻዕትን ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳትን፥ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘየቋርጽ "ኣይፋል ንፍርዲ ሞት” 

ናይ ሞት መቕጻዕትን ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳትን፥ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘየቋርጽ "ኣይፋል ንፍርዲ ሞት”

ኣብ ውሽጢ ዘመናት ዝነበረ ምዕባለ መርገጺ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዚ ተግባርን ብርቱዕ ጻውዒት ናይቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ክሳብ "ነጥበ መቐይሮ" ዝኾነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዛዕባ ሞት ፍርዲ ዝምልከት ዘተኣታተውዎ ውሳነን፣ ብመንጽር እቲ ዳሕረዋይ ዓለምለኻዊ ወሰኽ ሞት ቅትለት ዘጉልሕ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት - ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል 2024 ዓ.ም. ነቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ብመሰረት መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ትሬንቶ ኣብ ምሃብ ናይ ሞት ፍርዲ ዳያኑ "ፈጸምቲ መለኮታዊ ሕጊ እዮም" ካብ ዝብል፣ ክሳብ Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ  ዝብል ዓመተ ኦዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅሉ ሰነድ፣ "ምስ እምነት ክርስትና ዝጻረርን ንኹሉ ተስፋ ይቕሬታን ምሕዳስን ዘጥፍእ ስጉምቲ" ዝኾነ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ዝጽውዕሉ፣ እነሆ ኣስታት 500 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እዚ፣ ብዙሓት ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ስነ - ኣእምሮኣውን ናይ ሓባር ሕግን ዝተራእዩ ለውጥታት፣ ብገለ መልክዑ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም። ኩሉ ግዜ ቤተ ክርስቲያን ኣንጻር ናይ ሞት ፍርዲ ከም ዘይነበረት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከተ መዝገበ ሃይማኖት ጉባኤ ትረንቶ ምምልካት እኹል ይኸውን።

እቲ ኣንፈት ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ምሉእ ብምሉእ እናተቐየረ፣ ኩሎም ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ሎሚ እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ’ውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ብመሰረት ዳሕረዋይ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት - Amnesty  2024 ዓ.ም. ልዕሊ 1500 መቕጻዕቲ ሞት ከም እተፈጸመ)፣ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ዝፈጸሞ ገበን ብዘየገድስ ናይ ድሕነት ተኽእሎ ከም ዘለዎ ምርግጋጽ ከም ዘድሊ የነጽሩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ነጥበ መቐይሮ"

ብርግጽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጉዳይ መቕጻዕቲ ሞት ኣይፋል ምባል፣ “ነጥበ መቐይሮ” እዮም፣ ብመንገዲ ናይ 2018 ዓ.ም. ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብዝምልከት ኣብ የረጋግጾ፣ “ቤተክርስትያን ብመንጽር ወንጌል ትምህር፣ ናይ ሞት ፍርዲ ንዘይግሃስ ክብር ሰብ ዘጥቕዕ ብምዃኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም መቕጻዕቲ ሞት ምሉእ ብምሉእ ክዝረዝ ከይተሓለለት ተተሓሳስብ” እንክብሉ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሞት ፍርዲ ከም ዘይትቕበሎ የነጽሩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መደረታቶም ኣብ ዘቕርብዎ ጻውዒት፣ ኣብ መልእኽትታቶም፣ ምስ መራሕቲ ሃገራት ብስልኪ ብዝካየድዎ ርክባት፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ፣ ንመራሕቲ ዓለም ጭቡጥ ምልክት፣ ማለት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምፍጻም ደው ከብሉ ዝሓትት ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። እቲ ጻውዒት ቅዱስነቶም ብኡንብኡ ብገለ ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ፣ ኣብቲ እዋን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ምስ ር.ሊ.ጳ. ብስልኪ ድሕሪ ምርኻብ 37 ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየር ውሳኔ ከም ዝሃበ ይዝከር።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ር.ሊ.ጳ. ጆርጅ ማሪዮ በርጎሊዮ ኣዝዩ ንጹር ዝኾነ መርገጺኦም፣ ፍረ ናይቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጀመርዎ ጉዕዞ እዩ፣ ብመመሓየሽን መብርህን ወይ ምናልባት ዝሓሸ “ንጹርነት" ክበሃል ዝከኣል ናይቲ ቤተክርስትያን ኣብ 1992 ዓ.ም. ዘሕተመቶ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፣ ንመጀመርታ ግዜ "ትውፊታዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን፣ ሕጋዊ ስልጣን መንግስቲ ምስ ክብደት እቲ ገበን ዝመጣጠን መቕጻዕቲ ናይ ምሃብ መሰልን ግቡእን ኣለዎ” ዝብል ኣፍልጦ ይህብ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Laetamur Magnopere - ኣዚና ንሕጐስ ብዝብል ኣርስቲ ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቢሎም ዘጽድቕዎን ብቛንቋ ላቲን ኣብ 1997 ዓ.ም. ዝተሓትመ ናይ 1992 ዓ.ም. መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ፣ “እቲ ትውፊታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ንመንነትን ሓላፍነትን ናይቲ በዳሊ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ምርግጋጽ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ምውካስ ዘግልል ኣይኮነን፡ እዚ እቲ እንኮ ተግባራዊ መገዲ ንህይወት ደቂ ሰባት ካብ ዘይፍትሓውን ንከቢድ ሓደጋ ዘቃልዕን ተግባር ብኣድማዒ መንገዲ ንምክልኻል ክኸውን ኣለዎ" ይብል። "ግናኸ ደም ዘይብሉ ኣገባባት ኣንጻር እቲ መጥቓዕቲ ንምክልኻልን ድሕነት ሰባት ንምሕላውን እኹል እንተኾይኑ" እንክብሉ የብርህ፣ ኣብ ካልእ ክፍሊ ድማ "በዓል መዚ ኣብዞም ኣገባባት እዚኦም ክድርት ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ንጭቡጥ ኩነታት ናይ ሓባር ረብሓ ዝያዳ ምላሽ ዝህቡን ምስ ክብሪ ሰብኣዊ ሰብ ዝያዳ ዝሰማምዑን ስለዝኾኑ ይብሉ። ብሓቂ፣ ከም ውጽኢት ናይቲ መንግስቲ ዘለዎ ተኽእሎታት ንገበን ብኣድማዒ መንገዲ ንምዕፋን ግብረ መልሲ ብምሃብ።" ነቲ በደል ዝፈጸመ ሰብ ዘይጎድእ፣ ብውዱእ መንገዲ ናይ ምብጃው ተኽእሎኡ ከይከሓደ፣ ንገበነይና ንምዕፋን ፍጹም ኣድላይነት ዘለዎም ጉዳያት ሕጂ ኣዝዮም ሳሕቲ እዮም፣ እንተዘይኮይኑ ብተግባር ዘይነበሩ እዮም።"

ስለዚ ንር.ሊ.ጳ. ወይትይላ "መሰል ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ፡ ካብ ምጽናስ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት" ምክልኻል ዝብል ሰረተ እምነት ዕርዲ ትምህርቶም ዝገበሩ፣ ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ልደት፣ "ናይ ሞት ፍርዲ ክእገድ" ሓቲቶም፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1999 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፣ "ክብሪ ህይወት ወዲ ሰብ ፈጺሙ ክገሃስ የብሉን፣ ዋላ ነቶም ዓቢ ጉድኣት ዘውረዱ እውን እንተኾነ . . .  ከምዚ ብምባል - ንሞት መቕጻዕቲ "ጨካንን ዘይጠቅምን" ተግባር እዩ እንክብሉ ገሊጾምዎ እዮም።

በነዲክቶስ መበል 16

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ዝደረሰዎ ኣስተዋጽኦ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፣ "እቲ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ምስ ክብደት እቲ ገበን ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ" እንክብሉ ደጊሙ ብተመሳሳሊ ኣንፈት ይኸዱ፣ ብመንጽር እዚ ንሞት ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ "ዘህልዉ ምኽንያታት ሳሕቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ዳርጋ ክህሉ እውን ዝኽእል ኣይኮነን፡ ስለዚ ሰበስልጣን ነቲ መቕጻዕቲ “ምስ ኽውንነት ናይ ሓባር ረብሓ ብዝበለጸ . . . ምስ ክብሪ ሰብ ብዝሰማማዕ” መንገዲ ክድርትዎ ሓቲቶም፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ “ብርግጽ ነቲ በዳሊ ናይ ምብጃው ዕድል ከይከልእዎ” ብኣጽንዖት ይሓቱ።

ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሓደ ሓሳብ!

09 Apr 2025, 16:29