MAP

ብፁዓን ካርዲናላት ናብ መቓብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በጺሖም ካልኣይ ጸሎተ ሰዓታት ኣብጺሖም

ብፁዓን ካርዲናላት ካቶሊካዊ ቤተክርቲያን ንበዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ኣኽብሮትን ፍቕርን ንምግላጽ ናብቲ መቓብር ቅዱስነቶም ዝርከበሉ ባዝሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ምብጻሕ ኣካይዶም። ኣባኡ ድማ ነቲ ናይ ዕለቱ ካልይ ጸሎተ ሰዓታት ዘሰርክ ኣብ ጽሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰንብት ዕለት 27 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ካልአይቲ ኣብ ዳግማይ ትንሳኤን ሰንበት መለኮታዊ ምሕረትን ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት፣ ናብቲ ካብ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ኣትሒዙ ሕዝቢ ክበጽሕዎ ዝወዓሉ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣኽብሮቶም ንምግላጽ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጽሖም።

ኣባኡ ድማ በቶም ሊቀ ካህናት ናይቲ ባዜል ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብፁዕ ካርዲናል ሮላንዳ ማክሪካስ ተመሪሖም ካልኣይ ጸሎተ ሰዓታት ኣብጺሖም።

ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ምስቶም ካርዲናላት ተሳተፍቲ እቲ ስርዓተ ኣምልኾ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ግጅለታት እኳ እንተነበሩ፣ ካልኦት በጻሕቲ ግና ኣኽፍሮቶምን ፍቕሮምን ንምግላጽ ናብቲ መቓብር ምብጻሕ ይቕጽሉ ነበሩ። ትማሊ ጥራይ ካብ ንግሆ ኣትሒዞም ዳርጋ ዕስራ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ናብ መቓብር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በጺሖም ኣለዉ።

ምብጻሕ ብፁዓን ካርዲናላት ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
28 Apr 2025, 16:30