ካርዲናላት ንተሳተፍትን ኣዳለውቲ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ የመስግኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካርዲናላት ነቶም ዕለት 21 ሚያዝያ ቀዳም ኣብ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ወከልቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣይሁድን ካልኦት ሃይማኖታትን ከምኡ’ውን ንዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራትን ልኡኻት መንግስትን የመስግኑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝተሳተፉ ኩሎም፣ ጉባኤ ካርዲናላት ካብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “ብፍሉይ ነመስግን” ቢሎም፣ “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበርን ብሰንኪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘጋጠሞ ሓዘን ቅርበቶምን ጸሎትምን ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮ ንእምነትን ሰላምን ሕውነትን ዘየቋርጽ ተወፋይነቶም ክብርን ኣፍልጦን ዝህብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጉባኤ ካርዲናላት “ንሰበ - ስልጣን ኢጣልያን፣ ንከተማ ሮማ፣ ንኣገልግሎት ጸጥታ፣ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕን ኣገልግሎት ጥዕናን ንማዕከናት ዜና፣ ከምኡ’ውን ንሰራሕተይናታት ቅድስቲ መንበርን ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካንን ሓዊስካ፣ ንዅሎም ሰራሕተይናታትን፣ ድሕሪ ዕረፍትን ደሓር እውን ስነ ስርዓት ቀብርን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብህድኣትን ብስርዓትን” ክፍጸም ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኖም፣ ነቶም ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንመንእሰያት እተወፈፍየ ካብ ዕለት 26 – 27 ሚያዝያ ዝተኻየደ ኢዮቤል መንእሰያት ንዝተሳተፉ ኵሎም፣ ንህዝቢ እግዚኣብሔር “ብህይወት ትንሳኤ ጎይታ ህያው ናይ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ኣርእዮም እዮም” እንክብሉ መስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።