MAP

2025.04.14 Basilica della Sagrada Familia, Barcellona, Spagna. Architetto Antoni Gaudí 2025.04.14 Basilica della Sagrada Familia, Barcellona, Spagna. Architetto Antoni Gaudí 

ኣንቶኒ ጎዲ "ናይ ኣምላኽ መሃንድስ" ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ተባሂሉ ክእወጅ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብኣማላድነት ሓንቲ ህንዳዊት ድንግል እተፈጸመ ተኣምርን፣ ንሰማእትነት ናይ ሓደ ኢጣሊያዊ ሚስዮናዊ ካህንን ከምኡ ውን ንተባዕ ምስክርስነት ናይቲ “መሃንድስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዝፍለጥን ካልኦት ሰለስተ ካህናትን ተቐቢሎም።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ኤሊስዋ እተሰምየት መስራቲት ማሕበር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ንእተፈጸመ ተኣምር ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ ሰማእትነት ናይ ክቡር ኣባ ናዝሬኖ ላንስዮቲን፣ ከምኡውን ናይ ኣንቶኒ ጎዲን ኣባ ፒተር ጆሴፍ ትሪስትን ኣባ ኣንጀሎ ቡጌቲን ከምኡውን ኣባ ኣጎስቲኖ ኮዝዞሊኖን ዝፈጸምዎ ጅግንነት ዝገልጽ ሰነድ ኣጽደቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሰመራሮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብዛዕባ እዞም ሽዱሽተ ሰባት እዚኣቶም ዚገልጽ ሰነድ ቅድስና ክሕተም  ፈቐዱ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ናብቲ ናብ ስመርሕ መስርሕ ንኽቕጽሉ ፈቒዶም።

ኣንቶኒ ጎዲ "መሃንድስ ኣምላኽ"

ብ1852 እተወልደ ኣንቶኒ ጎዲ ኢ ኮረት ነቲ ብ1883 ኣብ ባርሴሎና ዝጀመረ ውጥን ህንጸት ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ክመርሕ ሓላፍነት ተቐበለ። ኣትኵሮኡ ብስነ-ጥበብ ንጐይታ ናይ ውዳሰ መዝሙር ምቕራብ ኢዩ ዝነበረ። ሰባት ንኣምላኽ ንኸፈልጥዎን  ናብኡ ንኸቕርቡን ድማ ከም ተልእኾኡ ገይሩ ብምውሳድ ክዓዪ ጀመረ።

ብዕለት 7 ሰነ 1926 ሓንቲ ናይ ከተማ ባቡር ወቕዓቶ ። መንነቱ ስለ ዘይተፈልጠ ናብቲ ኣብታ ኸተማ ዝርከብ ንድኻታት እተወሰነ ቤተ ሕክምና ደ ላ ሳንታ ክሩ ውን ተወስደ ። ምስጢረ ቀንዴል ብምቕባል ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብዕለት 10 ሰነ ናብ ሰማያዊ ቤቱ ተሳገረ። ኣስታት 30,000 ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ ሥነ ስርዓት ቀብሩ ከም ዝተረኽቡ ዝዝከር ኢዩ።

አንቶኒ ጎዲ ብዙሕ ግዜ ከም ናይ አምላኽ መሃንድስ ዝፍለጥ ዝነበረ
አንቶኒ ጎዲ ብዙሕ ግዜ ከም ናይ አምላኽ መሃንድስ ዝፍለጥ ዝነበረ

ኣባ ናዛሬኖ ላንስዮቲ ኣብ ብራዚል ሰማዕትነት ዝፈጸመ ካህን

ኣባ ናዛሬኖ ብዕለት 3 መጋቢት 1940 ተወሊዱ ብ1966 ድማ መዓርገ ክህነት ተቐበለ፣ ኣብ ከተማ ሮማ ንእተወሰነ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ምስ ማሕብር ተልእኾ ማቶ ግሮሶ ዝተሰምየ ናይ ካህናት ሰበኻ ማሕበር ብምስታፍ ንተልእኾ ወንጌል ናብ ብራዚል ብ1971 ተላእከ።

ንርእሱ ንድኻታት ብምውፋይ ምስ ከም ምንዝርናዊ መጻወዲያ ደቂ ኣንስትዮን፣ ንግዲ ሓሽሽን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ምጕዳል ፍትሕን ጭቈናን ይቃለስ ውን ነበረ። እዚ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ድማ ተጠማቲ ገበሮ ።

ብዕለት 11 ለካቲት 2001 ምሸት ምስ መሳርሕቱ ኣብ ድራር እንከለዉ ክልተ ዕጡቓት ወተሃደራት ናብ ቤቶም ብምእታው ከቢድ ጕድኣት ወረዱሎም ። ብዕለት 22 ለካቲት ኣብ መበል 61 ዕድሚኡ ድማ ናብ ሰማያዊ ቤቱ ተሳገረ።

እናቴ ኤሊስዋ መስራቲት ማሕበር ደናግል ዘቅድስት ድንግል

እናቴ ኤሊስዋ ዘቅድስት ድንግል ብዕለት 15 ጥቅምቲ 1831 ኣብ ኬራላ ህንዲ ተወልደት፣ ብፅዕናአ ክእወጅ ድማ ቅዱስነቶም ነቲ ብኣማላድነታ እተፈጸመ ተኣምር ኣፍልጦ ሂቦምሉ ይርከቡ ኣለዉ።

እናቴ ኤሊስዋ ጓል 16 ዓመት ምስ ኰነት ንሓደ ሃብታም ነጋዳይ ተመርዓወት ፣ ብ1851 ከኣ ሓንቲ ጓል ወለደት። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ መበለት ኰይና ንበይና ክትነብር ጀመረት፣ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍን ናይ ጸሎትን ጽሞናን ህይወት መረጸት። ንድኻታት ትከናኸን ውን ነበር ኣብ ካንሼሎኣ ድማ ነኣሽቱ ኣጉዶ ብምስራሕ ንድኻታት ከተዕቁቦም ተረኽበት።

ብ1862 ምስቶም ኻብ ኢጣልያ እተሰጐ ክቡር ኣባ ሊዮፖልዶ በካሮ ተራኸበት ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ መሪሕነቶም ኸኣ ኣብ ኬራላ ናይ መጀመርታ ማሕበር ደናግል መስረተት።

ኣባ ፒተር ጆሴፍ ትሪስት በልጁማዊ መስራቲ ማሕበር

መስራቲ ማሕበር ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ፍቕሪ ኢየሱስን ማርያምን ከምኡ ውን ማሕበር ኣሓት ህጻንነት ኢየሱስ ዝኾነ ክቡር ኣባ ፒተር ጆሴፍ ትሪስት፣ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ተባሂሉ ክጽዋዕ ተኣዊጁ፣ ብዕልት 31 ነሓሰ 1760 ኣብ ብራስልስ (በልጅዩም) ተወልደ ።

ብዕለት 9 ሰነ 1786 መዓርገ ካህነት ተቐበለ፣  ኣብ እዋን ሰውራ በልጅዩምን ሰውራ ፈረንሳይን ድማ ተሓቢኡ ኺነብር ተገደደ፣ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ሥርዓት ጆሴፍ ዳግማዊ ብዓል ሃፕስበርግ-ሎሬን ዝነበረ ሲቭላዊ ቅዋም ካህናት ብማሕላ ምእንቲ ከይቅበል እዩ ዝነበረ።

ብ1804 ኣባ ትሪስት ንድኻታትን ኣላዮ ዘይብሎም ቈልዑ መዕበዪ ዘኽታማት መስረተ፣ ብብዙሓት ኣዴታት ድማ ይሕገዝ ነበረ፣ ምሳታተን ኮይኑ ድማ ማሕበር ኣሓት ደናግል ደቂ ፍቕሪ ኢየሱስን ማርያምን መስረተ ።

ኣባ ኣንጀሎ ቡጌቲ ናይ ሰበኻ ካህንን መምህርን

ክቡር ኣባ ኣንጀሎ ቡጌቲ ብዕለት 27 ነሓሰ 1877 እተወልደ ኢጣልያዊ ኻህን ሰበኻ እዩ ነበረ ፣ ቅዱስነቶም ድማ ኣግልጋሊ እግዚአብሔር ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣዊጆም ኣለዉ። ክርስትያናውን ሲቭላውን ሕልና መንእሰያት ንምህናጽ ኣብ እተፈላለየ ናይ ግብረ - ሰናይ ንጥፈታት ንምስባኽን ንምግልጋልን ውፉይ ዝነበረ ካህን ኢዩ ። ንእተፈላለየ እዋናት ዚኸውን ዓናቕጻት ድማ ጽሒፉ።

ኣብቲ ጸረ-ክህነትን ሥርዓት ማሕበርነትን ዝነብሩሉ እዋን፣ መንእሰያት በቲ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ቃልሲ ኣፍልጦ ብምሃብን፣ ተልእኾኦም ንምምዕባል ብምሕጋዝን ገዛእ ርእሱ ኣወፈየ።

ኣባ ኣጎስቲኖ ኮዝዞሊኖ ኣገልጋሊ ሥነ መዕበያን ኣወሃሃድን

እዞም ሕጂ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ተባሂሎም ዝለዉ ክቡር ኣባ ጎስቲኖ ኮዝዞሊኖ ኣብ ካምፓንያ ኢጣልያ ብዕለት 16 ጥቅምቲ 1928 ተወሊዱ። ብ1952 ካህን መዓርገ ክህነት ተቐበሉ ኣብ ቁምስና ንመንእሰያትን ንዓበይትን ንምዅስኳስ ድማ ገዛእ ርእሶም ወፈዩ፣ ጸኒሖም ድማ ኸኣ ምክትል ዳይረክተር ናይቲ ንብዙሓት መንእሰያት ብቓልን ብኣብነትን ዘዕቢ ዝንበረ ዓቢይ ዘርኣክህነት ኔፕልስ ኮይኖም ተመዙ።

ብ30 መስከረም 1960 ኣብቲ ኣብ ሰበኻ ፖንቲቸሊ ናፕልስ ዚርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማሪያ ዘውጭ ተመደቡ ኣብኡ ድማ ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ከም ቆሞስ ኮይሞም ቀጸሉ።

15 Apr 2025, 16:39