MAP

2025.04.06 S.E. Mons. Rino Fisichella - Giubileo degli Ammalati e del mondo della Sanità

ር. ሊ. ጳ.፦ ንድኻታት ቀዳምነት ዚህብ ሥርዓት ክንክን ጥዕና ክህሉ ይምሕጸኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ነቲ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘሰናደውዎ ጽሑፍ፣ ኣብቲ ኢዮቤል ሕሙማንን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ ክንበብ ሓተቱ ። ነቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 31 መጋቢት ክልተ ድንግል እተቐትሉ፣ ኣብ ሀይቲ እተፈጸመ ዓመጻ ብምዅናን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ን5ይቲ ሰንበት ዘመነ ጾም ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ተመሓላሊፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ  ዝጸሓፎ ብምዝካር ብዛዕባ "ኣጻብዕ ኣምላኽ" ኢዮም ዘስተንተኑ ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብዳርባ እምኒ ክቐትልዋ ዝደለዩ ሰበይቲ "ሓድሽ ዛንታ" ኸም ዝጸሓፈላ ቅዱስነቶም ኣጕልሑ። 

"ኣጻብዕ ኣምላኽ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ 15 መዓልትታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ሕማሙ ኣብ ዝሓውዩሉ ዘለዉ፣ "ንኣጻብዕ ኣምላኽን" ከምኡውን ነቲ "ሕያዋ ሓሉዮቱን" ከም ዘስተውዓሉ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ኣብዛ ዕለተ ኢዮቤል ሕሙማንን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን  እዚ ሓልዮቶምን ፍቕሮምን ብምልጋስ፣ ነቶም ዝሳቐዩን ነቶም ዝከናኸንዎምን ዘተባብዕን ክኸውን ንጐይታ እልምኖ ኣሎኹ በሉ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዅነታት ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣለይቲ ሕሙማትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሓድሓደ ግዜ ዘጋጥሞም መጥቃዕትታት ብምሕሳብ ተልእኾኦም "ቀሊል ኣይኰነን ክድገፉን ክኽበሩን እውን ኣለዎም" በሉ።

ብተወሳኺውን "ሥርዓት ክንክን ጥዕና ነቶም ዝደኸዩን ተነቀፍትን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽከታተሎምን" መራሕቲ ዓለም ኣብ ሕክምናን ሕክምናዊ ምርምርን ቁጠባዊ ወፍሪ ክገብሩን ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ክሰፍን

ከም ልማዶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምእመናን ኣብ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ክጽልዩ ክብሉ ተማሕጸንዎም፣ ብፍላይ ከኣ "ምእንቲ እታ እተሳቐ ዘላ ዩክረይን፣ በቲ ንብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ዝገብር ዘሎ ብፍላይ ድማ መብዛሕትኦም ቈልዑ ዝቐትል ዘሎ መጥቃዕቲ" ብዙሕ ጸሎት ክገበር ተማሕጺኖም።

እዚ ምሕጽንታ እዚ በቶም ዋና ጸሓፊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ምስ ሚኒስተር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሃገር ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ጻውዒት ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ዝወጽእ ዘሎ ኢዩ ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባቶም ናብ ቃዛ ዘለዉ ሕዝቢ ምልስ ብምባል - "ሰባት ብዘይ መዕቈቢ ብዘይ ምግቢ ብዘይ መስተ ኣብ ዝነብሩሉ ዘይሕሰብ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ" በሉ።

ቀጺሎም ድማ "ኣብ ብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕን፣ ሱዳን ደቡብ ሱዳን፣ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከምኡውን ኣብ በርማ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዘጋጠመ ምእንቲ ሰላም ንጸሊ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነተን ኣብ ሀይቲ እተቐትላ ኽልተ ኣሓት ደናግል እውን ዘከሩ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር እተፈጸመ ዓመጻ ብምዅናን ውን ፍትሒ ክግበር ተማሕጸኑ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስፖርት ንሰላምን ዕቤትን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ስፖርት ነቶም ሰላምን ማሕበራዊ ሕብረትን ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት ምልክት ተስፋ ክኸውን ኣለዎ" ዝብል ቃል ተስፋ ኣመሓላለፉ። ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ሪቢብያ ዝርከቡ ዘለዉ እሱራት ስለቲ ኻባታቶም እተቐብልዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽትታት ኣመስገንዎም።

07 Apr 2025, 16:35