ብዛዕባ መንነት ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክመርጹ ዝተጸውዑ ካርዲናላት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም መበል 267 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ናብ ዕጽው ጉባኤ ዝኣትዉ 135 ካርዲናላት መረጽቲ፣ ካብ ሓሙሽተ ኣህጉራትን ካብ 71 ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝመጹ እዮም። ን17 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 15 ንኣሜሪካ፣ 17 ንእስያ፣ 18 ንኤውሮጳ፣ 4 ንኦቻይና ዝውክሉ ከም ዝኾኑን ንመጀመርታ ግዜ 12 ሃገራት ብደቀባት መረጽቲ ካርዲናላት ክውከላ እየን። ንሳቶም ድማ ካርዲናል ቺብሊ ላንግሎይስ ካብ ሃይቲ፣ ካርዲናል ኣርሊንዶ ፉርታዶ ጎሜስ ካብ ኬፕ ቨርደ። ካርዲናል ዲዩዶነ ንዛፓላይንጋ ካብ ሪፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ካርዲናል ጆን ሪባት ካብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ካርዲናል ሰባስቲያን ፍራንሲስ ካብ ማሌዥያ፣ ካርዲናል ኣንደርስ ኣርቦረሊየስ ካብ ሽወደን፣ ካርዲናል ዣን - ክላውድ ሆለሪኽ ካብ ሉክሰምበርግ፣ ካርዲናላል ቨርጂልዮ ዶ ካርሞ ዳ ሲልቫ ካብ ምብራቕ ቲሞር፣ ካርዲናል ዊልያም ሴንግ ቺየ ጎህ ካብ ሲንጋፖር፣ ካርዲናል ኣዳልበርቶ ማርቲነዝ ፍሎረስ ካብ ፓራጓይ፣ ካርዲናል ስቲቨን ኣመዩ ማርቲን ሙላ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ካርዲናል ላዲስላቭ ነሜት ካብ ሰርብያ ከምዝኾኑን ብድምር 53 ኤውሮጳውያን ካርዲናላት፣ 16 ካብ ሰሜን ኣመሪካ፣ 4 ካብ ማእከላይ ኣመሪካ፣ 17 ካብ ደቡብ ኣመሪካ፣ 23 እስያውያን፣ 18 ኣፍሪቃውያንን 4 ኦቻይናውያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ካብ ዕለት 7 ግንቦት ክእከቡ እዮም።
እቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሰመይዎም ካርዲናላት መረጽቲ
እቲ ዝነኣሰ ካርዲናል መራጺ ኣውስትራልያዊ ትውልደ ዩክሬይን ካርዲናል ሚኮላ ባይቾክ ወዲ 45 ክኸውን እንከሎኮ፣ እቲ ዝዓበየ ድማ ስጳይናዊ ወዲ 79 ዓመት ካርዲናል ካርሎስ ኦሶሮ ሴራ እዮም። እቶም ዝበዝሑ ኣብ 1947 ዝተወልዱ ኮይኖም፣ ካብዚኦም እቶም 13 ናይ ምምራድጽ መሰል ዘለዎም እዮም፣ ዕድሚኦም ድማ 78 ዓመትን ትሕቲኡን ክኽውን እንከሎ። ኣብ 1970 ዝተወልዱ ካርዲናል ባልዶ ረይና ጥራይ እዮም፣ ካርዲናል ሊዮ ፍራንክ ኣብ 1971 ዓ.ም. ዝተወልዱ፣ ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ ኣብ 1972 ዓ.ም. ዝተወልዱ እዮም። ገዳይም መረጽቲ ድማ ብር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ዝተሾሙ ፈረንሳዊ ካርዲናል ፊሊፕ ባርባሪን፣ ክሮኤሽያዊ ካርዲናል ጆሲፕ ቦዛኒች፣ ቦዝንያዊ ካርዲናል ቪንኮ ፑሊችን ጋናዊ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰንን እዮም። ብበነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝተሾሙ 22 ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም፣ 108 ድማ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ዝተሾሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ካብ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህየውት ዝመጹ ካርዲናላት
ካብቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካርዲናላት እቶም 33 ካብ ዝተፈላለየ 18 ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝመጹ እዮም። እቶም ሓሙሽተ ሳሊዢያውያን (ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ፣ ካርዲናል ቨርጂልዮ ዶ ካርሞ ዳ ሲልቫ፣ ካርዲናል ኣንገል ፈርናንደዝ ኣርቲም፣ ካርዲናል ክሪስቶባል ሎፔዝ ሮሜሮ፣ ካርዲናል ዳኒኤል ስቱርላ በርሆውት) እዮም፣ 4 ድማ ካብ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው ማሕበር ዝመጹ (ካርዲናል ሉዊስ ካብሬራ ሄረራ፣ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፣ ካርዲናል ኻይም ስፐንግለርን ካርዲናል ሊዮናርዶ ሽታይነርን) ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ድማ 4 (ካርዲናል ስቲቨን ቾው ሳው - ያን፡ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ፣ ካርዲናል ዣን - ክላውድ ሆለሪኽን ካርዲናል ኣንገል ሮሲን)፡ እቶም ፍራንቸስካውያን ገዳማውያን ድማ 3 (ካርዲናል ፍራንሶዋ - ኻቪየር ቡስቲሎ፣ ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲን ካርዲናል ዶሚኒክ ማቲዩን) እዮም። ክልተ ድማ ካብ ማሕበር ረደምፕቶሪስት (ካርዲናል ማይኮላ ቢቾክን ካርዲናል ጆሴፍ ቶቢንን)፣ ክልተ ካብ ማሕበር ቨርቢታውያን (ካርዲናል ታርሲሲዮ ኪኩቹን ካርዲናል ላዲስላቭ ነሜትን)። ከምኡ’ውን ኣውጉስቲናያዊ ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት፣ ካብ ማሕበር ካፑቺን ድማ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ፣ ካብ ማሕበር ባሕታውያን ደብረ ቀርመሎስ ካርዲናል ኣንደርስ ኣርቦረሊየስ፣ ካብ ገዳመ ሲታውያን ካርዲናል ኦራኒ ዥዋው ቴምፐስታ፣ ካብ ማሕበር ክላሪቲያኑም ካርዲናል ቪሰንተ ቦካሊክ ኢግሊክ፡ ካርዲናል ዥራልድ ላክሮይስ ካብ ዓለማዊ ትካል ፒዮስ መበል 10ይ፣ ካብ ማሕበር ላዛሪስት ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደምረው ሶራፊኤል፣ ካብ ማሕበር ኮንሶላታ ካርዲናል ጆርጆ ማረንጎ፣ ካብ ማሕበር ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ካርዲናል ዮሃንስ ሪባት፣ ካብ ማሕበር ስካላብሪኒያኒ ካርዲናል ፋብዮ ባጆን ካብ ማሕበር ዘመንፈስ ቅዱስ ድማ ካርዲናል ዲዩዶነ ንዛፓላይንጋን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕጊ ቀኖና ዘቐምጦ ወሳኒ ሕጊ
ካርዲናላት “ሮማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምምራጽ ፍሉይ ዕማም ዘለዎ ጉባኤ እዮም፣ ካርዲናላት ንር.ሊ.ጳ ኣብ መዓልታዊ ምሕደራን ጉስነትን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝራድእዎም ምዃኖም ተነጺሩ ኣሎ። እምበኣር እቶም ተካኢ ጴጥሮስ ዝመርጹ ካርዲናላት፣ ቅድሚ ዕለተ ሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ወይ ሓዋርያዊ መንበር እሁዝ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ"፣ ሓዋርያዊ ቅዋም ብዘቐምጦ ውሳኔ መስረት ዕድሚኦም 80 ዓመት ዘይበጽሐ ናብ ሮማ ይጽውዕ፣ እዚ ውሳኔ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ካርዲናላት መረጽትን ዘይመራጽትን ዝብል ክልተ ጽፍሒ የቐምጥ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ጉባኤ ካርዲናላት ብድምር 252 ካርዲናላት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ብሓዋርያዊ ቅዋም እንተ ላእሌ ኩሉ ኖላዊ መርኤት እቶም 135 ካርዲናላት ናይ ሮማ ጳጳስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ኮይኖም እቶም ዝተረፉ 117 ድማ ዘይመረጽትን ኣብቲ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ዘይሳተፉን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።