MAP

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  (ANSA)

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሕክምና ዝከታተሉ ዘለዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉን ናብ ዕለት 13 መጋቢት ኣብ ዘስጋግር ለይቲ እውን ጽቡቕ ከም ዝደቀሱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ ሓኻይሞም ከም ዝወሰነዎ ድማ ዋላ’ኳ ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእይ እንተሃለወ፣ ኩነታቶም ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ኣብ ቤት ሕክምና ክጸንሑ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ብሩኒ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዕለት 13 መጋቢት ዝተገበረሎም መርመራታት ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉ ዘረጋግጽ ኮይኑ፣ ኣብ መዓልቲ ፍወሳ ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ከምኡ እውን ለይቲ ድማ ቅልል ዝበለ ሓገዛ ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ዝተገበረሎም ሓቢሩ፣ ካብቲ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ኮይኖም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ተመሪሑ፣ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያዋውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘሳተፈ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም. ብማንዛ - ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ይሳተፉ ከም ዘለዉን ኣዘኻኺሮም፣ ቅዱሰንቶም ድሕሪ ኣብ ናይ ንግሆ ዝቐረበ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ምስታፎም ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐበሉን፣ ብግሊ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከም ዘካየዱ ብሩኒ ሓቢሩ፣ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ብዝሓደሮም ሕማም ነድሪ ግርጉማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ዕለት 13 መጋቢት ቅድሚ 12 ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ዝተሓረዩሉ መዓልቲ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም እተበዓለ ድማ የዘኻኽር።

13 Mar 2025, 17:06