MAP

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ባርዕ ንዝተሃስዩ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ባርዕ ንዝተሃስዩ ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ባርዕ ንዝተሃስዩ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ባርዕ ዱር ዝተጎድኡ፣ ከምኡውን ምእንቲ እቶም ዝተዋፈሩ ኣባላት መጥፋእቲ ሓውን ካልኦት ኣባላት ህጹጽ ረድኤትን” ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኸፍአን ዝዓበየን ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ዱር ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፣ ዝተሰምዖን ብርቱዕ ሓዘን ገሊጾም፣ “ነፍሳት እቶም በቲ ባርዕ ሓዊ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንፍቕራዊ ምሕረት እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ” ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ ነቶም ብሞት ዝፈትውዎም ሰባት ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ድማ እግዚኣብሔር ጽንዓት ይሃብኩም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ነቶም ዝተጎድኡን ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቁጽጻር ዝተዋፈሩ ኣባላት “መጥፋእቲ ሓውን ካልኦት ናይ ህጹጽ ረድኤት ሰራሕተይናታትን ወለንተይናታትን” ኣብቲ ናብ ናይ መንግስትን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ላዕልዎት ኣካላት ናይቲ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ዞባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ደቡብ ኮርያ “ናይ ምጽንናዕን ፈውስን ሓይልን መለኮታዊ በረኸት” ካብ እግዚኣብሔር ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኸፍአ ባርዕ ዱር

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 28 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ እቲ ባርዕ ዕለት 21 መጋቢት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ትካላትን ካልኦት መዋቕራትን ከም ዝዓነወን፣ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ቤቶም ንብረቶም ሓዲጎም ከም እተመዛበሉን፣ መንግስቲ ንኣስታት 8 ሽሕ ዜጋታት ግዚያዊ መዕቆቢ ከም ዝሃበን፣ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብታ ሃገር ናይ ዝናምን ቁርን ወቕቲ ነቲ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ንምቁጽጻር ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ሓገዝ ኮይኑ ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ኣገልግሎት ኣግራብ ኮርያ ኣስዒቡ፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ኣርባዕተ ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ቀንዲ ባርዕ ሓዊ ምሉእ ብምሉእ ከም እተዓገተ ኣፍሊጡ።

29 Mar 2025, 17:07