MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርጉእ ኩነታት ጥዕና ይርከቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርጉእ ኩነታት ጥዕና ይርከቡ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርጉእ ኩነታት ጥዕና ይርከቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘርእይዎ ዘሎ ምምሕያሽ ጥዕና ኣብ ግምት ብምእታው ዝወሃቦም ዝነበረ ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ዘለዎ ፍወሳ ከም ዝነከየን ከምኡ እውን እቲ ዕለት 17 መጋቢት ኣብቲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩ ዘርእይ ዝተዘርገሐ ስእሊ እውን ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሕበጥ ድሮ ከም እተመሓየሸ የረጋግጽ።

ዜና ቫቲካን

ዕለት 17 መጋቢት ኣማሲኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣

ኩነታት ቅዱስነቶም ሳላ እቲ ብመርውሓ ዝተሰነየ ዝወሃቦም ዘሎ ሓገዝ ስርዓተ ምስትንፋስ ቁሩብ ምምሕያሽ የርእዩ ብምህላዎም እቲ ብቐጻሊ ዝወሃቦም ዝነበረ ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ዘለዎ ፍወሳ ንውሑድ ግዜ ይጥቀሙ ከም ዘለዉን፣ ለይቲ ድማ መጠነይና ብመርውሓ ዝተሰነየ ኣብ ስርዓት ምስትንፋስ ሓገዝ ከም እተገበረሎም ኣመላኺቱ፡ እቲ ዕለት 17 መጋቢት ዝተዘርገሐ ስእሊ ቅዱሰነቶም ዘርእይዎ ዘለዉ ምምሕያሽ ጥዕና ዘርእይ ከም ዝኾነን ኣብ ኢዶም ዝነበሮም ሕበጥ እውን ከም ዝነከየ የረጋግጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ዕለት 17 መጋቢት ብጸሎትን ዕረፍትን ብዘለዎም መርሓ ፍጻሜታት መሰረት ድማ ገለ ኣገዳሰንት ዘለዎ ስራሕ ብምስላጥ ከም ዘዕሕለፍዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

18 Mar 2025, 16:16