MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ንግዳያት ርእደ መሬት ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ንግዳያት ርእደ መሬት ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ንግዳያት ርእደ መሬት ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ብኸዲብ ርእደ መሬት ንዝተጎድአ ህዝቢ ሚያንማርን ታይላንድን ዘለዎም ቅርበትን ጸሎትን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 28 መጋቢት 7.7 ሬኽተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ዘጋጠሞም ህዝቢ ሚያንማርን ታይላንድን ዘለዎም ቅርበት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ኣረጋጊጾም፣ ዘጋጠመ ክሳራ ህይወትን ሰፊሕ ዕንወትን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን በቲ መዓት ንዝተሃሰዩ ኮሎም መንፈሳዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ

ትካላት ረድኤት እቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ኵለ መዳያዊ ቅውላው ንምግምጋም ይቃለሳ ከም ዘለዋን፣ እቲ 7,7 ሪኽተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት፣ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ምሉእ ስፍሓት እቲ ዕንወት ክሳብ ሕጂ ገና ንጹር ኣይኮነን፣ ቁጽሪ ዝሞቱ ገና እኳ እንተዘይተረጋገጸ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ግን ነቲ ዕንወት “ዓቢይን ዘሰንብድን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይፒዳው ዝርከብ ዓቢ ቤት ሕክምና ብጉዱኣት ርእደ መሬት ዘዕለቕለቕ ብምዃኑ ብዙሓት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ጉዱኣት ድማ ካብቲ ቤት ሕክምና ሕንጻ ወጻኢ ሕክምናዊ ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዘሎን፣ መንግስቲ ሚያንማር ኣብቲ ብርእደ መሬት ብኸቢድ ዝተጎድኡ ዞባታት ልዑል ጠለብ ደም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣ ኣብተን ብርእደ መሬት ኣዝየን ዝተጎድኣ ሽዱሽተ ዞባታት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዘመሓላለፈን፣ እቲ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ጽልዋ ብልክዕ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ገና ዘይተረጋገጸ እኳ እንተኾነ፣ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ጉድኣት ግን ልዑል ምዃኑ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሳዕቤን ኣብ ታይላንድ

እቲ ርእደ መሬት ኣብ ታይላንድ እውን ከም እተሰምዐን ኣብ ባንኮክ፡ ገና ዘይተወድአ ኣዚዩ ገዚፍ ህንጻ ከም ዝፈረሰን ሰለስተ ሰራሕተይናታት እውን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ከም ዝቖሰሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ታይላንድ ጠቒሱ እንከመላኽት፣ ምኽትል መራሔ መግንስቲ ታይላንድ 81 ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ኣለዉ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ታይላንድ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ጽንኩር ቅልውላው እትርከብ ሚያንማር

ሚያንማር ድሮ ምስ ሰፊሕ ምዝንባል ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝተመዛበልሉን ንልዕሊ ሲሶ ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉን እዋን ዘጋጠማ ርእደ መሬት ነታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝደረኻን፣ ማእከል እቲ ርእደ መሬት ማእከላይ ክፋል ሚያንማር ከም ዝኾነን፣ እታ ብቀጻሊ ግጭታት ምኽንያት ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ጸገማት ኣብ ዝረኣየላ ሃገር፣ ተወሳኺ ናይቲ ርእደ መሬት ጸቕጢ ነቲ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ከም ዝገብሮን፣ እቲ ርእደ መሬት ክሳብ ካምቦጅያ፡ ባንግላድሽን ህንዲን ከም እተሰምዐ ይንገር።

ጸሎትን ቅርበትን

ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናንን ነተን ብርእደ መሬት ዝተጎድኣ ሃገራትን ህዝበን ጸሎትን ቅርበትን ይረጋገጽ ምህላዉን፣ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ከስዕቦ ዝኽእል ከባብያውን ሰብኣውን መዓት ብዝተኻእለ መጠን ንምክናይን ህይወት ብዙሓት ንምድሓንን ዝከኣል ኩሉ ይገብር ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

29 Mar 2025, 17:09