MAP

Dozens reported dead after a fire breaks out at a nightclub in Kocani Dozens reported dead after a fire breaks out at a nightclub in Kocani  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንስድራቤታት ናነቶም ኣብ ሰሜን መቄዶንያ ግዳያት ባርዕ ሓዊ ንዝዀኑ ሰባት ኣጸናንዕዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝተፈረምት ናይ ቴለግራም መልእኽቶም፣ ነቶም ኣብ ከተማ ኮካኒ ሰሜን መቄዶንያ፣ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንዘፍቅርዎም ሰባት ዝሰኣኑ ስድራቤታት ዘለዎ ጥብቅ ቅርበት ገለጹሎም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ኮካኒ ሰሜን መቄዶንያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ለይታዊ ትልሂት ብዘጋጠመ ዘሕዝን ባርዕ ሓዊ "ምስቶም ዝተጐድኡ ሰባት ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት"  ኣረጋገጹ። በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ 59 ሰባት ከም ሞቱ 155 ድማ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብቶም ናይ ሰበኻ ስኮፕየ ጳጳስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ኪሮ ስቶጃኖፍ ዝመሓላለፍዋ መልእኽቶም ዘለዎም ቅርበትን ዝተሰምዖም ሓዘንን ገሊጾም። ኣብቲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቶም ዝሞቱ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም" ኣረጋገጸሎም፣ ካብ ሳዕቤን ናይቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ሓደጋ ከኣ ጐይታ "ነቶም ዝሳቐዩ ምጽንናዕ" ክህቦም ጸልዮም።

ዝሓልፈ ቀዳም ወጋሕታ ሰዓት 3 ቅ. ቐ. ኣቢሉ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኮካኒ ኣብ ዝርከብ ማእከል ለይታዊ ትልሂት 1,500 ሰባት ዝርከቡሉ ዝነበሩ ሙዚቃዊ ምርኢት እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ። እቲ ባርዕ ብሰንኪ እቲ ኣብ መድረኽ ዝግበር ዝነበረ ምርኢታት ርችት ኢዩ ተላዒሉ ዝኸውን ዝብል ግምታት ውን ኣሎ። ኣዳለውቲ እቲ መደብን ወነንቲ እቲ ማእከልን ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ካብቶም ግዳያት ካብ 14 ኽሳዕ 27 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኢዮም ዝነበሩ። መንግስቲ መቄዶንያ ጠንቂ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ንምፍላጥ ዝከኣሎ ዅሉ ኸም ዝገብር ቃል ኣትዩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሂስቲያን ሚኮስኪ "ሎሚ ንመቄዶንያ ኣዝዩ ዘሕዝንን ከቢድ መዓልቲ ኢዩ" ክትብል ጽሒፋ ኣላ።

ካብ ኣውሮጳውያን ትካላት ናይ ምጽንናዕ መልእኽትታት ከም ዝበጽሖምን መንግስቲ ሰርብያ ድማ ዕለት 18 መጋቢት ነቶም ግዳያት ንምዝካር ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ከም እትኸን ኣዊጁ ኣሎ።

17 Mar 2025, 16:48