ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰርዓት ምስትንፋስ ሓገዝ መርውሓ ከም ዘየድልዮም ሓኻይሞም የረጋግጹ
ዜና ቫቲካን
ማተዮ ብሩኒ ዕለት 19 መጋቢት ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ "ቅዱስ ኣቦና ሕክምናዊ መርመራታቶም ኣብ ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእዩ ምህላዎም ዘረጋግጽ ብምዃኑ፣ ብሕክምናዊ መሳርሕታታ ዝወህቦም ዝነበረ ሓገዛት ከም ዘየድልዮምን ፍወሳ ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን እውን ብውሑዱ ዘድልዮም ኮይኑ ከም ዘሎን ከምኡ እውን ኣብ ስርዓት ምስትንፋስ ብዝወሃቦም ዘሎ ፍወሳ መርውሓ ብዙሕ ለውጢ ከም ዘርኣዩ ኣብ ጥዕናኦም ቐጻሊ ምምሕያሽ የርእዩ ምህላዎም ኣፍሊጡ።
“ዕለት 19 መጋቢት ንግሆ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝርከብሉ ዓስራይ ደርቢ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩ ብሩኒ ገሊጹ፣ ዝገበርዎ ዘለዉ ሕክምናዊ መርመራታት እውን ጥዕናኦም ናብ ንብሩ ደረጃ ይምለስ ምህላዉ ዝሕብር ኮይኑ፣ ካብ ሰዓል እውን ናጻ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፣ ኣብታ መዓልቲ እውን ዝወሃቦም ሕክምና ብምክትታልን ብጸሎትን ብዘለዎም መርሓ ፍጻሜታት መሰረት እውን ገለ ስራሕ ብምስላጥ ከም ዘሕለፍዎን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ዘሎ መደባት ስርዓተ ሊጡርጊያ መን ከም ዝሰርዖ ክሳብ ሕጂ ውሳነ ከም ዘይተዋህበ ድማ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ርጉእ ስለ ዝኾነ፣ ቀጻሊ ብዛዕባ ጥዕንኦም ዝምልከት ዝወሃብ ሓድሽ ሓበሬታ ቅድሚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ከም ዘይከውን ብሩኒ ሓቢሩ፣ ስለዚ ብትኽኽል ዘድሊ ሓበሬታ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት ዕለት 24 መጋቢት ዝወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።