MAP

ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. ፡- 'ምእንቲ ኣብ ቅልውላው ዘለዋ ስድራቤታት'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንወርሒ መጋቢት 2025 ዝኸውን ሓሳብ ጸሎት ኣመልኪቶም፣ ፍጹምቲ ስድራቤት እትበሃል ስለዘየላ ንኣባላት ስድራቤትና ይቕረ ኽንብለሎም ከለና ግን ሰላም ክንረክብ ከም እንኽእል ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ኩሉ ሰብ ምእንቲ "እተን ኣብ ቅልውላው ዘለዋ ስድራቤታት" ክጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ንዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ብምምልካት "ኣብ ቅልውላው ንዘለዋ ስድራቤታት" ንጸሊ ክብሉ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርእስታ ወርሓዊት በቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም ለኻዊ መርበብ ጸሎት እትሕተም መልእኽቶም ኣቢሎም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን በዚ ሓሳብ እዚ ንኽትጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ቅዱስ ኣቦና ብዕለት 14 ለካቲት ናብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ቅድሚ ምእታዎም፣ ነቲ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዘሎ ስእልታትን ናይ ድምጺ መልእኽን ኣዳልዮም ነበሩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናብኡን ኣብ ትሕቲ ሕክምና ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ኣብዛ ናይ ውርሒ መጋቢት ናይ ቪድዮ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ስድራ ቤታት ዘጋጥሞም ዓበይቲ ጸገማት ይጠቕሱ።

'ፍጽምቲ ስድራ እትብሓል የላን'

"ኵላትና ሓንቲ ሠናይን ፍጽምትን ዝኾነት ስድራ ቤት ክትህልወና ኢና ንሓልም። እንተኾነ ግና” ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ፍጽምቲ ስድራቤት እትበሃል የላን" ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናይ ገዛእ ርእሳ ጸገማት ኣለዋ ከምኡውን ብዙሕ ሓጐስ ኣለዋ ።"


ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ፍሉይ እኳ እንተኾነ ኣገዳሲ ውስን ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ እዚ ፍልልያቶም መፍትሒ ንምርካብ ክንደይ ሳዕ ግጭትን ዘሳቒ በሰላን ከም ዘምጽእ ውን ዝስምዖም ጓሂ ገለጹ።

"ስቓይ ናይ ሓንቲ ዝቘሰለት ስድራቤት ንምሕዋይ እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ይቕረ ምባል ኢዩ" ብምባል ቅዱስነቶም ኣጕልሑ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ይቕረ ብምባል ንኣባላት ስድራቤትና "ካልእ ዕድል" ምሃብ ዝሓትት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ኣምላኽ ነዚኹሉ ወትሩ ምሳና ኮይኑ ኢዩ ዝነብሮ" ውን በሉ። ቅዱስ ኣቦ ብምውሳኽ ትዕግስቲ ኣምላኽ መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ ብምዝኽኻር ብኸመይ 'ይቕረ ኸም ዚብለልና ከም ብሓድሽ ከም ዘጀምረናን' ውን ኣዘኻኸሩ።

ይቕረታ ብምግባር ንስድራ ቤትና ምሕዳስ

ብተመሳሳሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ይቕረ ምስ ዝበሃሃሉ "ወትሩ ንስድራ ቤቶም የሐድሱ" በዚ ኸምዚ ድማ "ብተስፋ ንቕድሚት ከም ዝጥምሩ ይገብሮም" ክብሉ ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ።

እቲ እንደልዮ "ሕጉስ መወዳእታ" ክህሉ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን እውን ከይተረፈ ጸጋ ኣምላኽ ይቕረ ንኽንብል ብርታዐ ከም ዝህበና ገለጹ።

ይቕሬታ "ካብ ጓሂ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብ ቂም ሓራ ስለ ዜውጽኣና ሰላም የምጽኣልና ኢዩ" ብምባል ውን ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ብምባል መልእኽቶም ይዛዝሙ - "እተበታተና ስድራቤታት እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልያት ከትይተፈ ናይ ነንሓድሕዶም ህያባት ብምስትውዓልን ብይቕሬታን ፈውሲ ኣቝሳሎም ምእንቲ ኽረኽቡ ንጸሊ።"

05 Mar 2025, 13:40